ኢትዮጵያ ኣብ እቲ ጉበኤ ብሄራዊ ረብሓኣን ንመርህ ዘይሻራውነታን ኣማኺላ ቅዋማ ብዝግባእ ኣንፀባሪቓ እያ-ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

አዲስ አበባ/ ሓምለ /1/2017(ኢዜአ) ኢትዮጵያ ኣብ መበል 17 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ  ብሄራዊ ረብሓኣን ንመርህ ዘይሻራውነታን ኣማኺላ ቅዋማ ብዝግባእ ኣንፀባሪቓ እያ ክብሉ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (/) ገሊፆም

መበል 17 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ  ኣብ ብራዚል ሪዮ ዴጄኔሮ ተኻይዱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/)ን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ እቲ ጉባኤ ተሳቲፎም

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (/) ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 17 ጉባኤ ብሪክስ ዝነበሮ ፃንሒት ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።

ጎድኒ ጎድኒ እቲ ጉባኤ ክልቲኣዊ ርክብ ዘጠናኽሩ ስራሕትታት ምስላጦም  ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (/) ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ፥ ብፍላይ ድምፅን ተሳትፎን ኣፍሪካ ኣብ ኩለን ትካላት ክረጋገፅ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም ኢሎም።

ኢትዮጵያ ነዊሕ ታሪክ ዘለዋ፣ ስልጣነ፣ብዝሃ ባህሊ ዘለዋ ምዃና ብምግላፅ፥ ማሕበራዊ ልምዓት ክብ ንምባል ብምትሕብባር ምስራሕ ኣዝዩ ኣድላዪ ብምዃኑ ንርክብ ሃገራት ደቡብ ምጥንኻር ከምዘለዋ ምግላፆም ሓቢሮም።

ከምኡውን እቲ ጉባኤ ጉዳይ ፋይናንሰን ኢኮኖሚን ብፍላይ ሓዱሽ ባንኪ ልምዓት ብሪክስ ዘጠናኽረሉን ንልምዓት ሃገራት ፈንድ ዝግበረሉ ኩነታት ክመቻቸው ከምዘለዎ ምቐራቡ ለገሰ ቱሉ (/) ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ምስተን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ተረባሒት ትኸውን ከምዘላ ምርግጋፆም ሓቢሮም።

ብብርኪ ዓለም ዘሎ -ፍትሓዊ ቀረብ ፋይናንሰን ልቓሕን ንምፍታሕ ከምዚ ዓይነት ኣማራፂታት ኣድለይቲ ምዃኖም ኢትዮጵያ ብዕቱብ ከምእትሰርሕ ምግላፆም ተዛሪቦም።

ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ምምሕዳር ዲጂታልን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ብዝምልከት ዘተ ተኻይዱ ኢትዮጵያ ዕድላትን ስግኣታትን ዲጂታል ዓለም ከምዘለዎ ብምርዳእ ዕድላት ብምስፋሕን ስግኣታት ብምንካይን  ብምትሕብባር ምስራሕ ከምትደሊ ኣብቲ መድረኽ ኣቕሪባ ኢሎም፡፡

እቲ ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዓለም ብዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ኢትዮጵያ ንዓለም ኣብነት ዝኾኑ ስራሕቲታት ካብ ምስራሕ ሓሊፋ ናብ ተግባር ኣሽሪፋ ትሰርሕ ከምዘላ ኣብ እቲ  መድረኽ ፀሪሓ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (/)  ኣብ መብርሂኦም፥ ተሳትፎ ጉባኤ ብሪክስ ብሓፈሻ ወፅኢታዊ ምንባሩ ኣረዲኦም ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም