ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሪዮ ዲ ጄኒሮ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መበል 17 ጉባኤ ብሪክስ መድረኽ ኣመራርሓ ሰላም፣ፀጥታን ዓለም ለኸን ኣብ ዝገበርዎ መደረ ዕዉት ምትሕብባር ንምስላጥ ኣድላይነት ህላወ ምትእምማን ዘዕብዩ ዓለም ለኸ ትካላት ኣልዒሎም።
ዓለም ለኸ ትካላት ገንዘብ ሓባራዊ ድሕንነትን ሓቛፊ ብልፅግናን ንምምፃእ ንክሕግዙ ውሳነ ናይ ምሃብ መዋቕሮም ሙሉእነት ብዘለዎ መልክዕ ዝመሓየሸሉ ኩነታት ብኣጽንኦት ገሊጾም።
ኢትዮጵያ ናብ ብሪክስ ብዕሊ ዝተፀምበረትሉ ኣብ 2015 ዓ/ም እንትኸውን ኢኮኖሚያዊ ምሕዝነት ጥራሕ ዘይኮነስ ፍትሓዊ ዝኾነ፣ማዕርነት ዝረጋገፀሉ ብዝሃ ዋልታዊ ዓለም ንምፍጣር ምስ ዝተግሃ ሃገራት ብማዕረ ብርኪ ዝተሰለፈትሉ ትካል እዩ።
ኣባል ብሪክስ ብምዃና እዞም ፃዕርታት ንክዕወቱ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ወሃብቲ ውሳነ ንሓደሽቲ ዕዳጋታትን ኣብ ምዕባይ ንዘለዋ ሃገራትን ሰፊሕ ውክልና ኣብ ዝርከበሉ ኩነታት ብንቕሓት ኣስተዋጽኦ ክትገብር እያ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እናዓበየ ዝመፀ ፅልዋ ብሪክስ እንትገልፁ እውን እዚ ዝስዕብ ኢሎም።
“ብሪክስ ካብ ጠንካራ ሓዱሽ ሓሳብ ተላዒሉ ንዓለም ለኸ ለውጢ ዝሰርሕ ብርቱዕ ሓይሊ ናብ ምዃን ተሸጋጊሩ እዩ።
ሓደሽቲ ኣባላት ብምውሳኾም እውን ሓባራዊ ድምፅና ብዝበለፀ ይጥንክር። ሓባራዊ ዓላማና ብዝበለፀ ይጥንክር። ዓቕምና እውን ይሰፍሕ።”