ቤት ምኸሪ ሚነስትራት ኣብ መበል 48 ኣኼባኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዩ ውሳነ ኣሕሊፉ - ኢዜአ ትግርኛ
ቤት ምኸሪ ሚነስትራት ኣብ መበል 48 ኣኼባኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዩ ውሳነ ኣሕሊፉ

አዲስ አበባ/ ሰነ /27/2017(ኢዜአ)፦ ቤት ምኸሪ ሚነስትራት ኣብ ናይ ሎሚ መበል 48 ኣኼባኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዩ ውሳነ ኣሕሊፉ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ፈላማይ ዝተመያየጠ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ማሕበር ዓለም ለኸ ልምዓት ንካልኣይ ዘላቒን ኩለመዳያዊን ዕብየት ፖሊሲ መፈፀሚ ዝውዕል 258,100,000 ኤስ.ዲ.ኣርን ንቅልጡፍ ልምዓት ፕሮጀክት መፈፀሚ ዝውዕል 27,300,000.00 ኤስ.ዲ.ኣር ደገፍ ፋይናንስን ስምምዕነት ልቃሕን ንምፅዳቕ ኣብ ዝቀረቡ ክልተ ረቂቅ ኣዋጃት እዩ፡፡
ክልቲኦም ልቓሓት ካብ ወለድ ናፃ ፣ 0.75% ክፍሊት ኣገልግሎት ዝኸፈለሎም ኮይኑ ንችሮታ 6 ዓመት ሓዊሱ ኣብ ነዊሕ ግዘ ዝኸፈሉ እዮም፡፡ እቲ ቤት ምኸሪ ስምምዕነት ልቓሕ ምስ ናይ ሃገርና ስትራቴጂምምሕዳር ልቓሕ ዝጋጣጠሙ ምኹኖም ብምርግጋፅ ብሙሉኡ ድምፂ ኣፅዲቑ ናብ ቤት ምኸሪ ወከልቲ ህዝብታት ንክማሓላለፍ ወሲኑ ፡፡
ብምቕፃል እቲ ቤት ምክሪ ዝተዛተየ ኣብ ኣዋጅ ግብሪ እቶት ፌደራል ንምምሕያሽ ዝቐረበ ኣዋጅ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ክሰርሐሉ ዝፀንሐ ኣዋጅ ግብሪ እቶት ፌደራል ሕዚ ኣብ ኣብ ንርከበሉ ሃገራዊን ዓለም ለኸ ኩነታት ኢኮኖሚ እንትረአ ብርክት ዝበሉ ክፍተታት ዘለውዎ ብምዃኑ ድንጋገታት እቲ ኣዋጅ ብምምሕያሽ መሰረታዊ ስርዓት ታክስ መሪሕ ንምዕዋት ብዘኽእል መልኽዑ ክቕረፅ ብምግባር ኣድላዩ ኮይኑ ብምርካቡ ምምሕያሽ እቲ ኣዋጅ ተዳልዩ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቡ ኣሎ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መማሓየሺ ኣዋጅ ድሕሪ ምዝታይ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ወሲኑ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ ምስ መንግስቲ ፌደራላዊ ሪፓብሊክ ናይጀርያ ዘተ ዝተኻየደ ኣብ ዲፕሎማቲክን ስርቪስ ግልጋሎት ፓስፖርት ንዝሐዙ ሰባት ቪዛ ንምትራፍ ዝተፈረሙ ክልቲኣዊ ስምምዕነት እዩ፡፡
እቲ ስምምዕ ዲፕሎማቲክን ስርቪስ ግልጋሎት ፓስፖርት ናይ ክልቲአን ሃገራት ሰብ መዚ መንግስቲ፣ ዲፕሎማትን ዜጋታት ንጉዳይ ስራሕ ዘካይድዎ ምንቅስቓሳት ቪዛ ንምርካብ ዘድልዩ ቅድመ ኩነት ዝወስድ ግዘ ንምትራፍ ከምኡ እውን ክልተኣዊ ዝምድናታት ኣብ ምጥንኻር ዓብዩ ረብሓ ከምዘለዎ ንቤት ምኽሪ ቀሪቡ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ በቲ ስምምዕ ድሕሪ ምዝታይ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ወሲኑ።