ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተረባሕነት እቲ ህዝቢ ዘረጋገፁ 15 ሽሕን 960 ፕሮጀክትታት ንኣገልግሎት በቒዖም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተረባሕነት እቲ ህዝቢ ዘረጋገፁ 15 ሽሕን 960 ፕሮጀክትታት ንኣገልግሎት በቒዖም

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 4/2017(ኢዜኣ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 15 ሽሕን 960 ፕሮጀክትታት ብመንግስትን ተሳትፎ ሕብረተሰብን ተዛዚሞም ንኣገልግሎት ከምዝበቕዑ ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
4ይ ስሩዕ ኣኼባ ዘበነ ስራሕ 4ይ ዓመት ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2017 የቕርባ ኣለዋ።
ኣብ ፀብፃበን እውን ኣብ በጀት ዓመት 2017 ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተረባሕነት እቲ ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝተሳለጡ ሓቢረን።
ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ፣ማእኸላት ዕዳጋ፣መሰረተ ልምዓታት ትምህርቲ፣ጥዕና፣ኪነ ጥበብን ካልኦትን ከም ኣብነት ገሊፀን።
ህንፀትን ምሕዳስን መንበሪ ኣባይቲ ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ብወለንታውያን ጥራሕ ዝተሰርሐ 8 ሽሕን 786 ኣባይቲ እንትኸውን ብበጀት እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝተሃነፁ መንበሪ ኣባይቲ ድማ 5 ሽሕን 176 ከምዝኾኑ ፀሪሐን።
ኣብ ልምዓት ኮሪደር እውን ኣብ ካዛንችስ፣ቦሌ፣ልደታ፣ላፍቶ፣ኣራት ኪሎን ካልኦትን ኣባይቲ ብተሳትፎ ውልቀን መንግስትን 5 ሽሕን 563 ሹቓት ከምዝተዛዘሙ ብምግላፅ፤ 1 ሽሕን 64 መስርሒ ሼዳት ንኣገልግሎት ከምዝበቕዑ ሓቢረን።
ኣብ ምልዕዓል ቀዳማዊ ቁልዕነት እውን ኣዲስ ኣበባ ህፃናት ንምዕባይ ምችው ከተማ ንክትኸውን ብዝተጀመሩ ስራሕቲ 1 ሽሕን 155 መፃወቲታት ህፃናት ከምዝተሃነፁ ኣረዲአን።
ንመናእሰይ መዘውተሪ ስፖርት 122 ሜዳታት ተዛዚሞም ንኣገልግሎት ከምዝበቕዑ እውን ኣብራህሪሀን።
ኣብ ፈላማይ ምዕራፍ እቲ በጀት ዓመት ልምዓት ኮሪደር ሓዊሱ 153 መፅንሒ መኪናን ተርሚናላትን ተዛዚሞም ናብ ኣገልግሎት ከምዝኣተዉ ተዛሪበን።
ካልኦት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ልምዓት ሓዊሱ 15 ሽሕን 960 ፕሮጀክትታት ተሃኒፆም ንኣገልግሎት ከምዝበቕዑ ብምሕባር፤ ካብዚኣቶም እቶም 16 ሜጋ ፕሮጀክትታት እዮም ኢለን።
ተበፃሕነት መንገድን ዋሕዚ ትራፊክን እታ ከተማ ዘመሓይሹ ፅሬት ዘለዎም መሰረተ ልምዓታት መንገዲ ንምህናፅ ብዝተሰርሐ ስራሕ እውን 1 ሽሕን 392 ኪሎ ሜትሮ ህንፀትን ፅገናን መንገድታት ኣስፋልት፣ ፀፀር፣ ኮብልስቶን፣እግረኛ ከምዝተሳለጠ ገሊፀን።