መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማታት ናይጄሪያ ዝግበር ሰሙናዊ በረራ ናብ 31 ኣዕብይዎ



 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /27/2017(ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማታት ናይጄሪያ ዝግበር ሰሙናዊ በረራ መንገደኛታት ናብ 31 ከምዘዕበዮ ኣፍሊጡ።

ናይጄሪያ ኣብ ኣፍሪካ እታ ዝዓበየት መባፅሒት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝኾነት እውን ሓቢሩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 24 ሰነ 2017 / ናብ ናይጄሪያ ከተማ ሌጎስ ዝገብሮ መዓልታዊ በረራ ናብ ክልተ ኣዕብይዎ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ትማሊ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብራህርህን፤ ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዝተመዝገቡ ዕቤታትን ውጽኢታትን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቲ ሓደ መርኣያ ከምዝኾነ ገሊፆም እዮም።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ በጀት ዓመት 2017 ተወሳኺ 13 ኣውሮፕላናት ብምዕዳግ ዘለውኦ ጠቕላላ በዝሒ ኣውሮፕላን 180 ከምዝበፅሐ እውን ሓቢሮም።

6 ተወሳኺ ሓደሽቲ መባፅሕታት ብምውሳኽ ሓፈሻዊ ዘለዎ በዝሒ መባፅሒ ናብ 136 ከምዘዕበዮ ከምኡ እውን ኣብዚ በጀት ዓመት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ልዕሊ 19 ሚልዮን መንገደኛታት ምጉዕዓዙን እዚ ድማ ቅድሚ እቲ ለውጢ ምስ ዝነበረ እንትነፃፀር ብዕፅፊ ከምዝወሰኸን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም