ኣብ እዋን ክረምቲ ንዘጋጥሙ ሃንደበታዊ ሓደጋታት ምላሽ ንምሃብ እኹል ምድላው ተገይሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ እዋን ክረምቲ ንዘጋጥሙ ሃንደበታዊ ሓደጋታት ምላሽ ንምሃብ እኹል ምድላው ተገይሩ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /2/2017(ኢዜኣ) ኣብ እዋን ክረምቲ ንዘጋጥሙ ሃንደበታዊ ሓደጋታት ምላሽ ንምሃብ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ኮሚሽናት ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ፌደራልን ክልላትን ገሊፆም።
ምስ ክረምቲ ተኣሳሲሩ ዘጋጥሙ ሓደጋታት ንምቕናስ ስራሕቲ ቅድመ መጠንቀቕታ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም(ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ብመሰረት ትንበያ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኣብ ክረምቲ ትፅቢት ዝግበር ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን ዝናብ ንስራሕ ዝራእትን ማይ ንምሓዝን ምችው ኩነታት ዝፈጥር እዩ።
ልዕሊ ስሩዕ ዝናብ ኣብ ዘጋጥሞም ከባብታት መልእኽትታት ቅድመ መጠንቀቕታ ነቲ ማሕበረሰብ ናይ ምብፃሕ ስራሕቲ ኣብ ክልላት ብዝተጠናኸረ መንገዲ እናተሰርሑ እዮም ኢሎም።
ንሃንደበታዊ ሓደጋታት ምላሽ ንምሃብ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ብምሕባር፤ ፀገም ከጋጥሞም ኣብ ዝኽእል ከባብታት ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ኣድላይ ናውቲ ካብ ሕዚ ጀሚሩ እናተባፅሑ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ከባቢ 10 ክልላት ካብ መንግስቲ ፌደራል ካብ ዝለኣኸሎም ስሩዕ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምውፃእ ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ምሽፋን ከምዝኸኣሉ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ንምሽፋን ዘለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣፍራዪ ሓይሊ ሰብን ብምጥቃም ጋህዲ ንምግባር ፖሊሲ ሓንፂፃ ተግባራዊ እናገበረት ከምትርከብ ገሊፆም።
ፈንድ ምላሽ ሓደጋ ምጥያሽ፣መዓልታውን መሓለውታን መኽዝን ምሓዝ ከምኡ እውን ንሃንደበታዊ ሓደጋታት ዝግበር ምድላው ትኹረት ካብ ዝተውሃቦም ስራሕቲ እዮም ኢሎም።
ኮሚሽናት ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ክልላት ብግደኦም፤ ሰብኣዊ ደገፍ ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ንምሽፋን ዘሳልጥዎ ዘለዉ ስራሕ ብምግላፅ ነዚ ክረምቲ እውን ስራሕቲ ቅድመ መጠንቀቕታ ተጠናኺሮም ከምዝቐፀሉ ኣረዲኦም።