ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ብትልሚ ዝሓዞም ንምዕዋት ዝገበሮ ርብርብ ውፅኢታዊ እዩ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ - ኢዜአ ትግርኛ
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ብትልሚ ዝሓዞም ንምዕዋት ዝገበሮ ርብርብ ውፅኢታዊ እዩ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /30/2017(ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ብትልሚ ዝሓዞም ንምዕዋት ዝገበሮ ርብርብ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳለጦ 3ይ ፍሉይ ኣኼባ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2017 ቀሪቡ ተዘትይሉ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ እዋን፤ እቲ ቤት ምኽሪ ዘውፅኦም ኣዋጃት ብኣግባቡ ተፈፃሚ ንክኾኑ ቅድሚ ምፅዳቖም ግቡእ ምርመራ ከምዝግበረሎም ሓቢሮም።
ሕግታት ድሕሪ ምፅዳቑ እውን ብኣግባቡ ከምዝተፈፀመ ኦዲት ምግባር ከምዝጀመረ ኣፍሊጦም።
ስራሕቲ ክትትልን ቁፅፅርን እቲ ቤት ምኽሪ እውን ብመሰረት ዝተቐመጡ ኣንፈታት እናተመርሑን ኣሰራርሓ ተሓታትነት ተግባራዊ እናተገበረን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ በጀት ዓመት ብትልሚ ዝሓዞም ስራሕቲ ንምዕዋት ዝገበሮ ርብርብ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ እውን ኣረዲኦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዘበነ ስራሕ 5ይ ዓመት እቲ ቤት ምኽሪ ዝነበሩ ጥንካረታት ብምቕፃል ዘጋጠሙ ክፍታት ብምምላእ ዝሓሸ ስራሕ ንምስላጥ ኩሎም ኣባላት ብፅሒቶም ክዋጽኡ ከምዘለዎም ገሊፆም።
እቲ ፀብፃብ ዘቕረባ ምክትል ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ በዶ፤ እቲ ቤት ምኽሪ ብዘለውዎ ኣወዳድባ ብትልሚ ዝሓዞም ስራሕቲ ብብቕዓት ንምፍፃም ብምውዳድ ክስራሕ ከምዝፀንሐ ሓቢረን።
ብፍላይ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ብሕጊ ዝተውሃቦ 4 ዋና ዋና ልኡኽቶታት ንምዕዋት ዝሰርሖም ስራሕቲ ውጽኢታዊ እዮም ኢለን።
ሕግታት ቅድሚ ምፅዳቖም እውን በቢብርኩ ዘለዉ ሰብ ሞያን ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴን ሕጊ እቲ ቤት ምኽሪ ዝርዝር ምርመራ ከምዝገብርሉ ኣረዲአን።
ኣብቲ በጀት ዓመት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳለጦም 43 ስሩዕን ፍሉይን ኣኼባታት ልዐሊ 50 ኣዋጃት መርሚሩ ከምዘፅደቐ ፀሪሐን።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ንሃገርን ህዝብን ኩለመዳያዊ ረብሓ ዘለዎም ሕግታት መርሚሩ ከምዘፅደቐ ኣብራህሪሀን።
ኣብ ስራሕ ዲፕሎማሲ ፓርላማ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ጉጅለ ልኡኽ ፓርላማ ሃገራዊ ረብሓ ዘለዎም ርክብ ዲፕሎማሲ ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም ኢለን።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘለውዎ 13 ቀዋሚ ኮሚቴታት ኣብ ትልሚ ፈፃሚ ኣካላት ክትትልን ደገፍን ከምዝገበሩ ኣብቲ ፀብፃብ ኣረዲአን።
ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ዘካይድዎም ስራሕ ውክልና ክልል መረፃ እውን ብኣግባቡ እናተመርሐን እቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት በቢብርኩ ምላሽ እናረኸቡን ከምዝኾኑ ገሊፀን።