ልምምድ ፀጋታት ዲሞክራሲ ኢትዮጵያውያን ቁልፊ መፍትሒ ፀገም ዘይምዃኑ መፅሓፍ"ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ" ክውለድ ክኢሉ እዩ-ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)




 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 28/2017(ኢዜኣ) ልምምድ ፀጋታት ዲሞክራሲ ኢትዮጵያውያን ብብርኪ ዓለም ዝፅራሕ ዘይምዃንን ብቁልፊ መፍትሒ ፀገም ዘይምርኣዩን መፅሓፍ"ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ" ንክውለድ ምኽንያት ከምዝኾነ ፀሓፊ እቲ መፅሓፍ ተስፋዬ በልጅጌ (/) ገሊፆም።

ብሚኒስትር ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (/) ዝተፅሓፈ መፅሓፍ "ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ" ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ራስ መኮንን ተመሪቑ።

ኣብቲ ምረቓ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ታገሰ ጫፎ፣ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልላትን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።

ደራሲ "ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ"ተስፋዬ በልጅጌ (/) ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓለም ዝነኣድ ባህሊ፣ ወግዒ፣ፀጋን ጥበብን ዘለና ማሕበረሰብ ኢና ኢሎም።

እዚ ዝነኣድ ፍልስፍና ኢትዮጵያውያን ዓለም ለኻዊ ዘይምዃኑ ውሽጣዊ ሕቶ ፈጢርሎም ከምዝፀንሐ እውን ሓቢሮም።

ከም ሃገር ዝሓለፍናዮም መንገድታትን ዘይወሰድናዮም ትምህርትታትን፣ትማሊ ዘባኸንናዮምን ዘምለጡን ዕድላት ኣብቲ መፅሓፍ ከምዝተዳህሰሱ ኣረዲኦም።

እንታይነትን ምኽንያትን ዝተፈጠሩ ንሕንሓትን ዝመኸኑ ወለዶታትን፣ብዘይምርድዳእን ብዘይምዝታይን ዝፀልመቱ ተስፋታት ኣብቲ መፅሓፍ ከምዝተብራህርሁ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብበዝሒ ዝማዕበለ ፍልጠትን ፀጋን እናሃለወ ከምዘየለ ብምቑፃር ንኢትዮጵያዊ ሕቶታትን መልስታትን ብኢድ ዜጋታት ንጠቐም ዝብል ሃገራዊ ፍልስፍናን ኣተሓሳስባን ከምዝተወለዱ እውን ፀሪሖም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(/) ናይዚ ፍልስፍናን ኣተሓሳስባን ቅድሚ ኩሉ መራሒ ብምዃን እቲ መፅሓፍ ክውለድ ክኢሉ እዩ ኢሎም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ መፅሓፍ እውን ካብ ትማሊ ብምምሃር ሎምን ፅባሕን ዝሓሸ ብምግባር ቀጻሊ ወለዶ ዝሓሸት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ምርካብ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ኣታዊ መፅሓፍ "ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ"ንህንፀት ቤት ትምህርትን መሰረተ ልምዓትን ኣብ ዞባ ጎፋ ብዝበፅሐ ሓደጋ ምንሽርታት መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ንክውዕል ኣበርኪቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም