ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ እፎይታ ዘምፀአ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ - ኢዜአ ትግርኛ
ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ እፎይታ ዘምፀአ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ

አዲስ አበባ/ ሰነ/ 26/2017(ኢዜአ)፦ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ እፎይታ ዘምፀአ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ጠሚቱ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓለ ሕቶ ምላሽ ህቦም።
ንክልል ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂስምምዕነት ፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ ንደቁ በብማዓልቱ ካብ ምስአን ኣትሪፍዎ እዩ ።
ንኢትዮጵያ ድማ ኲናት ብሰዓራይን ተስዓራይን ዘይኮነስ ብዘተ ምፍታሕ ከምዝከኣል ዘርእይ ሓዱሽ ባህሊ ከምዘምፀአ ተዛሪቦም።
ኣብ ትግራይ ኣብ እዋን ኲናት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ስልኪ፣ መንግስቲ ወዘተ ኣይነበረን ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ ግን እዚ ተመሓይሹ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ካብ ራያን ፀለምትን ዝተመዛበሉ ወገናት እውን ሙሉእ ብሙሉእ ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱ ገሊፆም።
ይኹን እንበር ዲዲኣር ዘይምትግባርን ካብ ወልቃይት ዝተመዛበሉ ወገናት ዘይምምላስን ዝብሉ ዘይተተግበሩ ምዃኖምን ክትግበሩ ከምዝግባእን ኣፅንኦት ሂቦም።
እዚ ንምትግባር ግን ኩሎም ሓይሊታት ክተሓባበሩ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ምክኒያቱ እዞም ክልተ ጉዳያት ናይ ፌዴራል መንግስቲ ፀገም ኣይኮኑን፤ ትግራይ ከይተቐየረት ኢትዮጵያ ትቕየር ኢያ ዝብል እምነት እውን ኣይብልናን።
“ንኣንጭዋ ፃዕረ ሞታ ንድሙ መፃወቲታ” ከምዝበሃል ንዝተወሰኑ ሰባት ኲናት መፃወቲኦም ክኸውን ይኽእል ኢዩ ንመናእሰይ ትግራይ ግን መኸሰቡ ሞት ጥራሕ ኢዩ ኢሎም።
ህዝቢ ትግራይ 100 ሚኢታዊ ኲናት ኣይደሊን፤ ሐዚ ኲናት እንተዝፍጠር ዓለም ናባና ጠመተ ዝህበሉ ኩነታት እውን የለን ክብሉ ገሊፆም።
ትግራይ ሐዚ ዘድሊ ሰላምን ብዘተ ፀገምካ ምፍታሕን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
ሙሁራን፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ዓበይቲ ዓዲን ካልኦትን ኲናት ኣብ ትግራይ ቅድሚ ምጅማሩ ሐዚ ሰላም ኣብ ምምፃእ ፃዕሪ ግበሩ ብምባል፥ ኲናት እንተተጀሚሩ ሎሚ ከም ትማሊ ስለ ዘይኮነ ነገራት ክበላሸዩ ይኽእሉ ኢዮም ኢሎም።
ኣፈላላይ እንተሃሊዩ ጉዳይካ ብዘተ ምፍታሕ ኢዩ ዘድሊየና ክብሉ እውን ኣተሓሳሲቦም።
ኣቦታት ሃይማኖት ሽማግለታት ዓዲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ናብ ኲናት ከይእቶ ሓዚ ሰላም ንክኸውን ታራኹም ተዋፅኡ ክብሉ ፃውዒት ኣቐሪቦም።
ህዝቢ ትግራይ ዘተ ይፈልጥ ኢዩ፤ ብዘተ ክፈትሖም ዝግባእ ጉዳያት እውን ስለ ዘለውዎ ቀልጢፍካ ናብ ምዝታይ ምእታው ከምዘድሊ ተዛሪቦም።
መንግስቲ ሓደ ጥይት ናይ ምትኹስ ድልየት ከምዝይብሉ ብምፅራሕ፤ ድልያትና ሃገር ምልማዕ እዩ፤ ኩሉ ህዝቢ ክፈልጥ ዘለዎ ኲናት አየድልን ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ክልል ትግራይ ሓዊሱ ንዕውትነት ሃገራዊ ምኸክር ኩሉ ናይ ወገኑ ከበርክት ኣድላይ እዩ ክብሉ ገሊፆም።