ኣብ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝጠመተ ህንፀት ተረኽ ብውፅኢታውነት ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ-ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)



 

ኣርባምንጭ/ሓምለ/ 4/2017(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝጠመተ ህንፀት ተረኽ ብውፅኢታውነት ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (/) ገሊፆም።

ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2017 ትልሚ 2018 ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ይግምገም ኣሎ።

ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (/) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውድታት ኢኮኖሚ፣ፖለቲካን ዲፕሎማስን ኣብ ኣደባባይ ዓለም ቅልጡፍ ለውጢ እናመዝገበት እያ ትርከብ።

እዚ ንምዕዋት እውን ዝተረጋግዐ ምህዳር ፖለቲካ ብምፍጣር ኣብ መንጎ ህዝብታት ሕውነትን ኣሓትነትን እናተጠናኸረ ዝመፀሉ ዓመት እዩ ኢሎም።

ሓድነት ሃገር ናብ ድሕሪት ንምምላስ ዝፅዕሩ ኣካላት ብምትሕብባር ህዝብን መንግስትን እናኸሸፈ ከምዝመፀ ሓቢሮም።

ከይዲ ኣብ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ጠመተ ዝገበረ ህንፀት ተረኽ እውን ውፅኢታዊ ብዝኾነ መልክዑ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ክሳብ ሕዚ ዝተመዝገበ ዓወት ንምቕፃል ጠንኪርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም