ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት ብሄራዊ ረብሓኣ ዝሕልዉ ጠንካራ ተግባራት ዲፕሎማሲ አሳሊጣ-ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት ብሄራዊ ረብሓኣ ዝሕልዉ ጠንካራ ተግባራት ዲፕሎማሲ አሳሊጣ-ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ

አዲስ አበባ/ /ሓምለ/ 3/2017(ኢዜአ)፦ኢትዮጵያ ይዛዘም ኣብ ዘሎ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ብሄራዊ ረብሓኣ ዝሕልዉ ጠንካራ ተግባራት ዲፕሎማሲ አሳሊጣ ክብል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስቴር አምባሳደር ነብያት ጌታቸው ይዛዘም ኣብ ዘሎ በጀት ዓመት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዋ መግለፂ ዓበይቲ ዲፕሎማስያዊ ስርሓትታት ምስላጦም ኣብ እቲ እቲ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም ።
ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ዝተመስረተ ርክብ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ብመሰረተ ልምዓት መንገዲ ብዝበለፀ ናይ ምጥንኻርን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ዕውታት ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ኣብሪሆም።
ፍትሓዊ ተጠቃምነት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሓቅነት ኢትዮጵያ ንማሕበረሰብ ዓለም ምርግጋፅ ከም ዝተኸኣለ ተዛሪቦም ።
ውሃቢ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ዓመታዊ ተግባራት ዲፕሎማስያዊን ንዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብዚ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ን968 ጎረባብቲ ሃገራት ተማሃሮ ብነፃ ዕድል ላዕለዋይ ብርኪ ትምህርቲ ተዋሂቡ ኢሎም።
እዚ ድማ ካብቶም ኢትዮጵያ ዞባዊ ርክብ ንምጥንኻር ትሰርሖም ዘላ ተግባራት ውሽጢ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ኣምባሳደር ነብያት ብተወሳኺ ኣብዚ በጀት ዓመት ሓባራዊ ረብሓ ዘረጋግፁ 198 ስምምዕነት ምፍፃሞም ገሊፆም፡፡
ኣብዚ በጀት ዓመት 131 ሺሕ 14 ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ምስርሑን ብክልተኣውን በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማስያዊ ስራሕቲ ከምዝተኻየዱን ሓቢሮም።
ብወገን ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ አፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ጥዕነኦምን ክብሮምን ብዝሓለዉ መልክዑ ናብ ሃገሮም ንኸምለሱ ልዑል ስራሕ ከምተሰርሓ ኣመልኪቶም ።