ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ዝነኣድ እዩ-ተሳተፍቲ ሚኒስትራት ፎረም ፈጠራ ስራሕ ኣፍሪካ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 2/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዕቤታ ንምቅልጣፍ ኣብ  ዓውዲ ቴክኖሎጂ ተሳልጦ ዘላ ስራሕ ዝነኣድን ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውንን ከምዝኾነ ተሳተፍቲ ሚኒስትራትን ሓለፍቲ ስራሕን 3 ፎረም ፈጠራ ስራሕ ኣፍሪካ ገሊፆም።

ሚኒስቴ ስራሕን ክእለትን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ዘዳለዎ መበል 3 ፎረም ፈጠራ ስራሕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።

ኣብቲ መድረኽ፤ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ሚኒስትራት፣ዲፕሎማት፣ሙሁራን እቲ ዓውዲ፣ተመራመርቲ፣ፈጠርቲ ስራሕን ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ይሳተፉ ኣለዉ።

እቶም ተሳተፍቲ ትማሊ ድሕሪ ሰዓት መዘከርታ ዓወት ዓድዋ፣ሙዜም ሳይንስን ተፀዋዕቲ ትካላት እቲ ሚኒስቴርን ጎብንዮም።

ሚኒስትር ሰራሕተኛ፣ስራሕን ወፍሪ ስራሕን ጋና ኣብዱል-ራሺድ ፔልፑዎ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፤ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቅልጡፍ ዕቤት ምዃና ምዕዛቦም ሓቢሮም።

እቶም ህንፀታት መሰረተ ልምዓት ዕቤት እታ ከተማ ዘቀላጥፉ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ዕቤታ ንምቅልጣፍ ዝጀመረቶም ስራሕቲ ንካልኦት ሃገራት እውን መርኣያ ዝኾኑ እዮም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም