ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኮሞሮስ ካብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ልምዲ ክትወስድ ትኽእል እያ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ - ኢዜአ ትግርኛ
ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኮሞሮስ ካብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ልምዲ ክትወስድ ትኽእል እያ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ/ 1/2017(ኢዜኣ) ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኮሞሮስ ካብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ልምዲ ክትወስድ ትኽእል እያ ክብሉ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።
ብመሰረት ኮሞሮስ ዘቕረበቶ ዕድመ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ መበል 50 ዓመት መዓልቲ ነፃነት ኮሞሮስ ኣብ ከተማ ሞሮኒ እንትኽበር ከምዝተረኸቡ ዝዝከር እዩ።
ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሰ ካብ ኮሞሮስ ንዝቐረበሎም ዕድመ ብምምስጋን፤ ኢትዮጵያ ምስ ኮሞሮስ ዘለዋ ክልቲኣዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምሽግጋር ድሌት ከምዘለዋ ሓቢሮም።
ልዕሊ 120 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ብፍርያት ምግቢ ዓርሳ ንምኽኣል ኣብ ዝገበረቶ ፃዕሪ ጭቡጥ ለውጢ ከምዘምፀአት ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ኮሞሮስ ኣብ ዓውዲ ግብርና ካብ ኢትዮጵያ ዓብዪ ተሞኩሮ ክትወስድ ከምትኽእል ኣገንዚቦም።
ፕሬዚዳንት ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣሱማኒ ብግደኦም፤ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብዚ በዓል ምርካቦም ኢትዮጵያ ንኮሞሮስ ዘለዋ ክብሪ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ምስ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ውፅኢታዊ ዘተ ምግባሮም እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ተመዝግቦ ዘላ ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ኣፍሪካውያን ንዝሓሸ ዕቤት ዘለዓዕል ከምዝኾነ ገሊፆም።
መርኣያ ለውጢ ኢትዮጵያ ዝኾነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ኮሞቶስ ምስ ኣፍሪካን ዓለምን ኣብ ምርኻብ ቁልፊ እጃም እናበርከተ ከምዝኾነ ኣብራህሪሆም።
ኮሞሮስ ስርናይ ካብ ኢትዮጵያ ናይ ምግዛእ ድሌት ከምዘለዋ እውን ተዛሪቦም።