ፖለቲካ - ኢዜአ ትግርኛ
ፖለቲካ
ኢትዮጵያ ኣብ እቲ ጉበኤ ብሄራዊ ረብሓኣን ንመርህ ዘይሻራውነታን ኣማኺላ ቅዋማ ብዝግባእ ኣንፀባሪቓ እያ-ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)
Jul 8, 2025 10
አዲስ አበባ/ ሓምለ /1/2017(ኢዜአ)፦ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 17 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ብሄራዊ ረብሓኣን ንመርህ ዘይሻራውነታን ኣማኺላ ቅዋማ ብዝግባእ ኣንፀባሪቓ እያ ክብሉ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም። መበል 17 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ብራዚል ሪዮ ዴጄኔሮ ተኻይዱ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ እቲ ጉባኤ ተሳቲፎም ። ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)፥ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 17 ጉባኤ ብሪክስ ዝነበሮ ፃንሒት ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም። ጎድኒ ጎድኒ እቲ ጉባኤ ክልቲኣዊ ርክብ ዘጠናኽሩ ስራሕትታት ምስላጦም ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ፥ ብፍላይ ድምፅን ተሳትፎን ኣፍሪካ ኣብ ኩለን ትካላት ክረጋገፅ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም ኢሎም። ኢትዮጵያ ነዊሕ ታሪክ ዘለዋ፣ ስልጣነ፣ብዝሃ ባህሊ ዘለዋ ምዃና ብምግላፅ፥ ማሕበራዊ ልምዓት ክብ ንምባል ብምትሕብባር ምስራሕ ኣዝዩ ኣድላዪ ብምዃኑ ንርክብ ሃገራት ደቡብ ምጥንኻር ከምዘለዋ ምግላፆም ሓቢሮም። ከምኡ’ውን እቲ ጉባኤ ጉዳይ ፋይናንሰን ኢኮኖሚን ብፍላይ ሓዱሽ ባንኪ ልምዓት ብሪክስ ዘጠናኽረሉን ንልምዓት ሃገራት ፈንድ ዝግበረሉ ኩነታት ክመቻቸው ከምዘለዎ ምቐራቡ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብሪሆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ምስተን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ተረባሒት ትኸውን ከምዘላ ምርግጋፆም ሓቢሮም። ብብርኪ ዓለም ዘሎ ኢ-ፍትሓዊ ቀረብ ፋይናንሰን ልቓሕን ንምፍታሕ ከምዚ ዓይነት ኣማራፂታት ኣድለይቲ ምዃኖም ኢትዮጵያ ብዕቱብ ከምእትሰርሕ ምግላፆም ተዛሪቦም። ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ምምሕዳር ዲጂታልን ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስን ብዝምልከት ዘተ ተኻይዱ፤ ኢትዮጵያ ዕድላትን ስግኣታትን ዲጂታል ዓለም ከምዘለዎ ብምርዳእ ዕድላት ብምስፋሕን ስግኣታት ብምንካይን ብምትሕብባር ምስራሕ ከምትደሊ ኣብቲ መድረኽ ኣቕሪባ ኢሎም፡፡ እቲ ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዓለም ብዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ኢትዮጵያ ንዓለም ኣብነት ዝኾኑ ስራሕቲታት ካብ ምስራሕ ሓሊፋ ናብ ተግባር ኣሽሪፋ ትሰርሕ ከምዘላ ኣብ እቲ መድረኽ ፀሪሓ። ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)፥ ኣብ መብርሂኦም፥ ተሳትፎ ጉባኤ ብሪክስ ብሓፈሻ ወፅኢታዊ ምንባሩ ኣረዲኦም ።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ብትልሚ ዝሓዞም ንምዕዋት ዝገበሮ ርብርብ ውፅኢታዊ እዩ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
Jul 7, 2025 93
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /30/2017(ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ብትልሚ ዝሓዞም ንምዕዋት ዝገበሮ ርብርብ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳለጦ 3ይ ፍሉይ ኣኼባ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2017 ቀሪቡ ተዘትይሉ። ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ እዋን፤ እቲ ቤት ምኽሪ ዘውፅኦም ኣዋጃት ብኣግባቡ ተፈፃሚ ንክኾኑ ቅድሚ ምፅዳቖም ግቡእ ምርመራ ከምዝግበረሎም ሓቢሮም። ሕግታት ድሕሪ ምፅዳቑ እውን ብኣግባቡ ከምዝተፈፀመ ኦዲት ምግባር ከምዝጀመረ ኣፍሊጦም። ስራሕቲ ክትትልን ቁፅፅርን እቲ ቤት ምኽሪ እውን ብመሰረት ዝተቐመጡ ኣንፈታት እናተመርሑን ኣሰራርሓ ተሓታትነት ተግባራዊ እናተገበረን ከምዝኾነ ተዛሪቦም። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ በጀት ዓመት ብትልሚ ዝሓዞም ስራሕቲ ንምዕዋት ዝገበሮ ርብርብ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ እውን ኣረዲኦም። ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዘበነ ስራሕ 5ይ ዓመት እቲ ቤት ምኽሪ ዝነበሩ ጥንካረታት ብምቕፃል ዘጋጠሙ ክፍታት ብምምላእ ዝሓሸ ስራሕ ንምስላጥ ኩሎም ኣባላት ብፅሒቶም ክዋጽኡ ከምዘለዎም ገሊፆም። እቲ ፀብፃብ ዘቕረባ ምክትል ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ በዶ፤ እቲ ቤት ምኽሪ ብዘለውዎ ኣወዳድባ ብትልሚ ዝሓዞም ስራሕቲ ብብቕዓት ንምፍፃም ብምውዳድ ክስራሕ ከምዝፀንሐ ሓቢረን። ብፍላይ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ ብሕጊ ዝተውሃቦ 4 ዋና ዋና ልኡኽቶታት ንምዕዋት ዝሰርሖም ስራሕቲ ውጽኢታዊ እዮም ኢለን። ሕግታት ቅድሚ ምፅዳቖም እውን በቢብርኩ ዘለዉ ሰብ ሞያን ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴን ሕጊ እቲ ቤት ምኽሪ ዝርዝር ምርመራ ከምዝገብርሉ ኣረዲአን። ኣብቲ በጀት ዓመት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳለጦም 43 ስሩዕን ፍሉይን ኣኼባታት ልዐሊ 50 ኣዋጃት መርሚሩ ከምዘፅደቐ ፀሪሐን። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ንሃገርን ህዝብን ኩለመዳያዊ ረብሓ ዘለዎም ሕግታት መርሚሩ ከምዘፅደቐ ኣብራህሪሀን። ኣብ ስራሕ ዲፕሎማሲ ፓርላማ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ጉጅለ ልኡኽ ፓርላማ ሃገራዊ ረብሓ ዘለዎም ርክብ ዲፕሎማሲ ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም ኢለን። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘለውዎ 13 ቀዋሚ ኮሚቴታት ኣብ ትልሚ ፈፃሚ ኣካላት ክትትልን ደገፍን ከምዝገበሩ ኣብቲ ፀብፃብ ኣረዲአን። ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ዘካይድዎም ስራሕ ውክልና ክልል መረፃ እውን ብኣግባቡ እናተመርሐን እቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት በቢብርኩ ምላሽ እናረኸቡን ከምዝኾኑ ገሊፀን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Jul 7, 2025 52
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሪዮ ዲ ጄኒሮ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መበል 17 ጉባኤ ብሪክስ መድረኽ ኣመራርሓ ሰላም፣ፀጥታን ዓለም ለኸን ኣብ ዝገበርዎ መደረ ዕዉት ምትሕብባር ንምስላጥ ኣድላይነት ህላወ ምትእምማን ዘዕብዩ ዓለም ለኸ ትካላት ኣልዒሎም። ዓለም ለኸ ትካላት ገንዘብ ሓባራዊ ድሕንነትን ሓቛፊ ብልፅግናን ንምምፃእ ንክሕግዙ ውሳነ ናይ ምሃብ መዋቕሮም ሙሉእነት ብዘለዎ መልክዕ ዝመሓየሸሉ ኩነታት ብኣጽንኦት ገሊጾም። ኢትዮጵያ ናብ ብሪክስ ብዕሊ ዝተፀምበረትሉ ኣብ 2015 ዓ/ም እንትኸውን ኢኮኖሚያዊ ምሕዝነት ጥራሕ ዘይኮነስ ፍትሓዊ ዝኾነ፣ማዕርነት ዝረጋገፀሉ ብዝሃ ዋልታዊ ዓለም ንምፍጣር ምስ ዝተግሃ ሃገራት ብማዕረ ብርኪ ዝተሰለፈትሉ ትካል እዩ። ኣባል ብሪክስ ብምዃና እዞም ፃዕርታት ንክዕወቱ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ወሃብቲ ውሳነ ንሓደሽቲ ዕዳጋታትን ኣብ ምዕባይ ንዘለዋ ሃገራትን ሰፊሕ ውክልና ኣብ ዝርከበሉ ኩነታት ብንቕሓት ኣስተዋጽኦ ክትገብር እያ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እናዓበየ ዝመፀ ፅልዋ ብሪክስ እንትገልፁ እውን እዚ ዝስዕብ ኢሎም። “ብሪክስ ካብ ጠንካራ ሓዱሽ ሓሳብ ተላዒሉ ንዓለም ለኸ ለውጢ ዝሰርሕ ብርቱዕ ሓይሊ ናብ ምዃን ተሸጋጊሩ እዩ። ሓደሽቲ ኣባላት ብምውሳኾም እውን ሓባራዊ ድምፅና ብዝበለፀ ይጥንክር። ሓባራዊ ዓላማና ብዝበለፀ ይጥንክር። ዓቕምና እውን ይሰፍሕ።”
ማዕርነት ን ፍትሕን ዝዓሰለላ ዓለም ንምርካብ ምትእስሳርና ብዝበለፀ ክነጎልብቶ ኢና -ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Jul 7, 2025 40
አዲስ አበባ/ ሰነ/2017(ኢዜአ)፦ማዕርነት ን ፍትሕን ዝዓሰለላ ዓለም ንምርካብ ምትእስሳርና ብዝበለፀ ክነጎልብቶ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዘመሓለፍዎ መልኽቲ ፥ ምስ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ሪዮ ዲ ጄኒሮ ጉባኤ ኣብዚ ዓመት ተረኺብና። ብሉፅ ማዕርነትን ፍትሒን ዝዓሰለላ ዓለም ንምርካብ ምትእስሳርና ብዝበለፀ ነጠናኽር ብምባል ፥ሓበራዊ መድረኽ ብሪክስ ልምዓትን ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ንምዕባይ ልዑል ረብሓ ኣለዎ ። መድረኸ ብሪክስ ሓበራዊ ልምዓትን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ብምዕባይ ረባሓይ ኮይኑ ቐፂሉ ኣሎ እዮም ዝበሉ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝተወደበን ዘበናዊ መሳርሒ ዝተዓጠቐን ብኣተሓሳስባን ስነ ልቦናን ዝተሃነፀ እዩ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
Jul 5, 2025 260
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 28/2017(ኢዜኣ) ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታ ብኣግባቡ ዝተወደበ፣ነዚ ዘበን ዝምጥን ዘበናዊ ምሳርሒ ዝተዓጠቐን ብኣተሓሳስባን ስነ ልቦናን ዝተሃነፀን እዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም። ኮሌጅን ኣዛዝነትን ስታፍን ምክልኻል መበል 15 ዙር ላዕለዎት መኮንናት ስሩዕ ኮርስ ኣመሪቑ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ፤ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ሓላፊ ላዕለዋይ መምርሒ ትምህርትን ስልጠናን ምክልኻል ሌተናል ጀነራል ይመር መኮንንን ኣዛዚ ኮሌጅን ኣዛዝነትን ስታፍን ምክልኻል ብርጋዲየር ጄኔራል ሙሉጌታ ኣምባቸው፣ጄኔራል መኮንናት፣ ወታደራዊ ኣታሼታትን ቤተሰብ ተመረቕትን ተረኺቦም። ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ኮሌጅ ካብ ዝምስረት ግዜ ጀሚሩ ኣብ ኩሎም ክፍልታን ሓይልታትን ሰራዊት ምክልኻል ብብቕዕቅት ናይ ምምራሕ ክእለት ዘለዎም ኣብ ታክቲካል ክፍልታት ሰራዊት፣ሳይንስን ጥበብን ኦፕሬሽናል ውግእ ስልጠና ዝወሰዱ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት መኮንናት ኣፍርዩ እዩ። ኣብዚ ዓመት እውን ኣብቲ ኮሌጅ ስልጠና ብምውሳድ ብብቕዓት ዛዚሞም ንምረቓ ዝበቕዑ ላዕለዎት መኮንናት ውፅኢት ሰራዊት ምክልኻል ዘመዝግቦ ዘሎ ብቑዕ ዝሰልጠነ ፕሮፌሽናል ሰራዊት እዮም ኢሎም። ሃገራውን ትካላውን ሪፎርም ካብ ዝተጀመረሉ እዋን ጀሚሩ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝለዓለ ዓወት እናመዝገበት ከምትርከብ ሓቢሮም። ሰራዊት ምክልኻል ፕሮፌሽናል ብምግባርን ብምምዕባልን ኣብ ቀፃሊ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ስግኣታት ንምትራፍ ብሄራዊ ሓደጋ እንተጋጢሙ እውን ብዘተኣማምን ምምካት ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ሰራዊት ከምዝተሃነፀ ኣረዲኦም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብኩሎም ዓውድታት ተለዊጡ ብኣግባቡ ዝተወደበ፣ነዚ ዘበን ዝምጥን ዘበናዊ መሳርሒ ዝተዓጠቐን ብኣተኣሓሳስባን ስነ ልቦናን ዝተሃነፀን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ነፃን ዘይሻራውን ትካላት ዲሞክራሲ ንህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግስቲ ዘለዎም እጃም ብዝበለፀ ንምጉላህ እቲ ቤት ምኽሪ ዝገብሮ ደገፍ ክቕፅለሉ እዩ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
Jul 5, 2025 128
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /28/2017(ኢዜኣ) ነፃን ዘይሻራውን ትካላት ዲሞክራሲ ንህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግስቲ ዘለዎም እጃም ብዝበለፀ ንምጉላህ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም። ሓባራዊ መድረኽ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ትካላዊ ሪፎርም ነቲ ቤት ምኽሪ ተፀዋዕቲ ዝኾኑ ትካላት ዲሞክራሲ ይካየድ ኣሎ። ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዜጋታት ንክኽብሩ ትካላት ዲሞክራሲ ርኡይ እጃም ኣለዎም ኢሎም። ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ዜጋታት ብኣግባቡ ንክኽብሩ ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ ነፃን ዘይሻራውን ትካላት ዲሞክራሲ ተጣይሾም እናሰርሑ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም። እቶም ትካላት ሓላፍነቶም ብብቕዓት ንክዋፅኡ እውን ኣብ ሕግን ኣወዳድባን ዘለዉ ፀገማት ንክፍትሑ ስራሕቲ ሪፎርም ከምዝተሳለጡ ተዛሪቦም። ትካላት ዲሞክራሲ ንህንፀት ጠንካራ ሃገረ መንግስቲ ዘለዎም ቁልፊ እጃም ብዝበለፀ ንምዕባይ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣፈፃፅማ ዘጋጥሙ ፅገማት ንምፍታሕ ብቆራፅነት ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም። እቲ ቤት ምኽሪ ኣፈፃፅማ እቶም ትካላት በቢእዋኑ እናገምገመ ክፍተታት ሕግን ኣሰራርሓን ንምምላእ ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር እውን ተዛሪቦም። መራኸብቲ ሓፋሽ እውን ሰላም፣ሓድነትን ልምዓትን ሃገር ዘጠናኽሩ ዛዕባታት ንምስራፅ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብብቕዓት ምውፃእ ዘኽእሎም ሪፎርም ከምዝገበሩ ኣረዲኦም። ኣብቲ መድረኽ፤ ኣፈፃፅማ ትልሚ ትካላዊ ሪፎርም ቦርድ ብሄራዊ መረፃ ኢትዮጵያ፣ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ትካል ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት፣ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ፣ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኢትዮጵያን ትካል ፕረስ ኢትዮጵያን ቀሪቡ ክዝተየሉ እዩ።
ልምምድ ፀጋታት ዲሞክራሲ ኢትዮጵያውያን ቁልፊ መፍትሒ ፀገም ዘይምዃኑ መፅሓፍ"ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ" ክውለድ ክኢሉ እዩ-ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)
Jul 5, 2025 114
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 28/2017(ኢዜኣ) ልምምድ ፀጋታት ዲሞክራሲ ኢትዮጵያውያን ብብርኪ ዓለም ዝፅራሕ ዘይምዃንን ብቁልፊ መፍትሒ ፀገም ዘይምርኣዩን መፅሓፍ"ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ" ንክውለድ ምኽንያት ከምዝኾነ ፀሓፊ እቲ መፅሓፍ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ገሊፆም። ብሚኒስትር ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ዝተፅሓፈ መፅሓፍ "ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ" ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ራስ መኮንን ተመሪቑ። ኣብቲ ምረቓ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ታገሰ ጫፎ፣ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልላትን ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም። ደራሲ "ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ"ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)፤ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓለም ዝነኣድ ባህሊ፣ ወግዒ፣ፀጋን ጥበብን ዘለና ማሕበረሰብ ኢና ኢሎም። እዚ ዝነኣድ ፍልስፍና ኢትዮጵያውያን ዓለም ለኻዊ ዘይምዃኑ ውሽጣዊ ሕቶ ፈጢርሎም ከምዝፀንሐ እውን ሓቢሮም። ከም ሃገር ዝሓለፍናዮም መንገድታትን ዘይወሰድናዮም ትምህርትታትን፣ትማሊ ዘባኸንናዮምን ዘምለጡን ዕድላት ኣብቲ መፅሓፍ ከምዝተዳህሰሱ ኣረዲኦም። እንታይነትን ምኽንያትን ዝተፈጠሩ ንሕንሓትን ዝመኸኑ ወለዶታትን፣ብዘይምርድዳእን ብዘይምዝታይን ዝፀልመቱ ተስፋታት ኣብቲ መፅሓፍ ከምዝተብራህርሁ ተዛሪቦም። ኣብ ኢትዮጵያ ብበዝሒ ዝማዕበለ ፍልጠትን ፀጋን እናሃለወ ከምዘየለ ብምቑፃር ንኢትዮጵያዊ ሕቶታትን መልስታትን ብኢድ ዜጋታት ንጠቐም ዝብል ሃገራዊ ፍልስፍናን ኣተሓሳስባን ከምዝተወለዱ እውን ፀሪሖም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ናይዚ ፍልስፍናን ኣተሓሳስባን ቅድሚ ኩሉ መራሒ ብምዃን እቲ መፅሓፍ ክውለድ ክኢሉ እዩ ኢሎም። ቀንዲ ዕላማ እቲ መፅሓፍ እውን ካብ ትማሊ ብምምሃር ሎምን ፅባሕን ዝሓሸ ብምግባር ቀጻሊ ወለዶ ዝሓሸት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ምርካብ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ኣታዊ መፅሓፍ "ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ"ንህንፀት ቤት ትምህርትን መሰረተ ልምዓትን ኣብ ዞባ ጎፋ ብዝበፅሐ ሓደጋ ምንሽርታት መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ንክውዕል ኣበርኪቶም።
ኢትዮጵያ ሳልሳይ ፎረም ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣፍሪካ ከተታአናግድ እያ - ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል
Jul 4, 2025 201
አዲስ አበባ/ ሰነ/ 27/2017(ኢዜአ)፦ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ፎረም ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣፍሪካ ካብ ሰነ 30 እስጋብ ሓምለ 2/2017/ከም ተታአናግድ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን ህልው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዓቕሚ መናእሰይ ንምጉልባትን ዕድላት ንምጥቃምን ዓቕሚ ዝፈጥር ምዃኑ ብምሕባር፤ ናይ ሎሚ ፎረም ኣብ ሕርሻ ክፍለ ኢኮኖሚ ትኹረት ክገብር እዩ ኢለን፡፡ እቲ ፎረም ንዝሓለፉ ክልተ ተኸታተልቲ ዓመታት ከም ኣህጉር ዘሎ ዓሙቕ ሃፍቲ ናብ ጭቡጥ ዓቕሚ ንምቕያር ዕድላት ብዝፈጥር መልክዑ ምክያዱ ተገሊፁ ፡፡ እተን ሚኒስትር ኣብ መግለፂአን ኣብቲ ፎረም ሚኒስትራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኢንቨስተራት፣ ተመራመርትን ኢንተርፕራይዛትን ፈጠርቲ ስራሕን ሓዊሱ ልዕሊ 1 ሺሕን 500 መዳርግቲ ኣካላት ክሳተፉ እዮም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ እዚ ሓዚ እዋን ምስንዳአ ዛዚማ ኣጋይሻ ንኸትቐበል ተሰናድኣ ኣላ ። እቲ ፎረም ኣብ ቀፃሊ ካብ 30 ሰነ ክሳብ 30 ሓምለ 2017 ዓ.ም ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ከምዝካየድ ተፈሊጡ ኣሎ ፡፡ እቲ ፎረም ኢትዮጵያ ምስ ኮሚሽን ሕብረት አፍሪካን ትሬድ ግሩፕ ኣፍሪካን (African Electronic Trade Group ) ብምትሕብባር ምኹኑ ኣብ እቲ መግለፂ ታሓቢሩ አሎ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማታት ናይጄሪያ ዝግበር ሰሙናዊ በረራ ናብ 31 ኣዕብይዎ
Jul 4, 2025 125
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /27/2017(ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማታት ናይጄሪያ ዝግበር ሰሙናዊ በረራ መንገደኛታት ናብ 31 ከምዘዕበዮ ኣፍሊጡ። ናይጄሪያ ኣብ ኣፍሪካ እታ ዝዓበየት መባፅሒት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝኾነት እውን ሓቢሩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 24 ሰነ 2017 ዓ/ም ናብ ናይጄሪያ ከተማ ሌጎስ ዝገብሮ መዓልታዊ በረራ ናብ ክልተ ኣዕብይዎ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ትማሊ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብራህርህን፤ ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዝተመዝገቡ ዕቤታትን ውጽኢታትን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቲ ሓደ መርኣያ ከምዝኾነ ገሊፆም እዮም። እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ በጀት ዓመት 2017 ተወሳኺ 13 ኣውሮፕላናት ብምዕዳግ ዘለውኦ ጠቕላላ በዝሒ ኣውሮፕላን 180 ከምዝበፅሐ እውን ሓቢሮም። 6 ተወሳኺ ሓደሽቲ መባፅሕታት ብምውሳኽ ሓፈሻዊ ዘለዎ በዝሒ መባፅሒ ናብ 136 ከምዘዕበዮ ከምኡ እውን ኣብዚ በጀት ዓመት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ልዕሊ 19 ሚልዮን መንገደኛታት ምጉዕዓዙን እዚ ድማ ቅድሚ እቲ ለውጢ ምስ ዝነበረ እንትነፃፀር ብዕፅፊ ከምዝወሰኸን ተዛሪቦም።
ቤት ምኸሪ ሚነስትራት ኣብ መበል 48 ኣኼባኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዩ ውሳነ ኣሕሊፉ
Jul 4, 2025 76
አዲስ አበባ/ ሰነ /27/2017(ኢዜአ)፦ ቤት ምኸሪ ሚነስትራት ኣብ ናይ ሎሚ መበል 48 ኣኼባኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዩ ውሳነ ኣሕሊፉ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ፈላማይ ዝተመያየጠ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ማሕበር ዓለም ለኸ ልምዓት ንካልኣይ ዘላቒን ኩለመዳያዊን ዕብየት ፖሊሲ መፈፀሚ ዝውዕል 258,100,000 ኤስ.ዲ.ኣርን ንቅልጡፍ ልምዓት ፕሮጀክት መፈፀሚ ዝውዕል 27,300,000.00 ኤስ.ዲ.ኣር ደገፍ ፋይናንስን ስምምዕነት ልቃሕን ንምፅዳቕ ኣብ ዝቀረቡ ክልተ ረቂቅ ኣዋጃት እዩ፡፡ ክልቲኦም ልቓሓት ካብ ወለድ ናፃ ፣ 0.75% ክፍሊት ኣገልግሎት ዝኸፈለሎም ኮይኑ ንችሮታ 6 ዓመት ሓዊሱ ኣብ ነዊሕ ግዘ ዝኸፈሉ እዮም፡፡ እቲ ቤት ምኸሪ ስምምዕነት ልቓሕ ምስ ናይ ሃገርና ስትራቴጂምምሕዳር ልቓሕ ዝጋጣጠሙ ምኹኖም ብምርግጋፅ ብሙሉኡ ድምፂ ኣፅዲቑ ናብ ቤት ምኸሪ ወከልቲ ህዝብታት ንክማሓላለፍ ወሲኑ ፡፡ ብምቕፃል እቲ ቤት ምክሪ ዝተዛተየ ኣብ ኣዋጅ ግብሪ እቶት ፌደራል ንምምሕያሽ ዝቐረበ ኣዋጅ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ክሰርሐሉ ዝፀንሐ ኣዋጅ ግብሪ እቶት ፌደራል ሕዚ ኣብ ኣብ ንርከበሉ ሃገራዊን ዓለም ለኸ ኩነታት ኢኮኖሚ እንትረአ ብርክት ዝበሉ ክፍተታት ዘለውዎ ብምዃኑ ድንጋገታት እቲ ኣዋጅ ብምምሕያሽ መሰረታዊ ስርዓት ታክስ መሪሕ ንምዕዋት ብዘኽእል መልኽዑ ክቕረፅ ብምግባር ኣድላዩ ኮይኑ ብምርካቡ ምምሕያሽ እቲ ኣዋጅ ተዳልዩ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቡ ኣሎ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መማሓየሺ ኣዋጅ ድሕሪ ምዝታይ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ወሲኑ። ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ ምስ መንግስቲ ፌደራላዊ ሪፓብሊክ ናይጀርያ ዘተ ዝተኻየደ ኣብ ዲፕሎማቲክን ስርቪስ ግልጋሎት ፓስፖርት ንዝሐዙ ሰባት ቪዛ ንምትራፍ ዝተፈረሙ ክልቲኣዊ ስምምዕነት እዩ፡፡ እቲ ስምምዕ ዲፕሎማቲክን ስርቪስ ግልጋሎት ፓስፖርት ናይ ክልቲአን ሃገራት ሰብ መዚ መንግስቲ፣ ዲፕሎማትን ዜጋታት ንጉዳይ ስራሕ ዘካይድዎ ምንቅስቓሳት ቪዛ ንምርካብ ዘድልዩ ቅድመ ኩነት ዝወስድ ግዘ ንምትራፍ ከምኡ እውን ክልተኣዊ ዝምድናታት ኣብ ምጥንኻር ዓብዩ ረብሓ ከምዘለዎ ንቤት ምኽሪ ቀሪቡ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ በቲ ስምምዕ ድሕሪ ምዝታይ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ወሲኑ።
ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ እፎይታ ዝሃበ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ
Jul 4, 2025 106
አዲስ አበባ/ ሰነ/ 27/2017(ኢዜአ)፦ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ እፎይታ ዝሃበ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ጠሚቱ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓለ ሕቶ ምላሽ ህቦም። ንክልል ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂስምምዕነት ፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ ንደቁ በብማዓልቱ ካብ ምስአን ኣትሪፍዎ እዩ ። ንኢትዮጵያ ድማ ኲናት ብሰዓራይን ተስዓራይን ዘይኮነስ ብዘተ ምፍታሕ ከምዝከኣል ዘርእይ ሓዱሽ ባህሊ ከምዘምፀአ ተዛሪቦም። ኣብ ትግራይ ኣብ እዋን ኲናት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ስልኪ፣ መንግስቲ ወዘተ ኣይነበረን ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ ግን እዚ ተመሓይሹ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ካብ ራያን ፀለምትን ዝተመዛበሉ ወገናት እውን ሙሉእ ብሙሉእ ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱ ገሊፆም። ይኹን እንበር ዲዲኣር ዘይምትግባርን ካብ ወልቃይት ዝተመዛበሉ ወገናት ዘይምምላስን ዝብሉ ዘይተተግበሩ ምዃኖምን ክትግበሩ ከምዝግባእን ኣፅንኦት ሂቦም። እዚ ንምትግባር ግን ኩሎም ሓይሊታት ክተሓባበሩ ከምዝግባእ ገሊፆም። ምክኒያቱ እዞም ክልተ ጉዳያት ናይ ፌዴራል መንግስቲ ፀገም ኣይኮኑን፤ ትግራይ ከይተቐየረት ኢትዮጵያ ትቕየር ኢያ ዝብል እምነት እውን ኣይብልናን። “ንኣንጭዋ ፃዕረ ሞታ ንድሙ መፃወቲታ” ከምዝበሃል ንዝተወሰኑ ሰባት ኲናት መፃወቲኦም ክኸውን ይኽእል ኢዩ ንመናእሰይ ትግራይ ግን መኸሰቡ ሞት ጥራሕ ኢዩ ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ፈፂሙ ኲናት ኣይደሊን፤ ሐዚ ኲናት እንተዝፍጠር ዓለም ናባና ጠመተ ዝህበሉ ኩነታት እውን የለን ክብሉ ገሊፆም። ትግራይ ሐዚ ዘድሊ ሰላምን ብዘተ ፀገምካ ምፍታሕን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም። ሙሁራን፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ዓበይቲ ዓዲን ካልኦትን ኲናት ኣብ ትግራይ ቅድሚ ምጅማሩ ሐዚ ሰላም ኣብ ምምፃእ ፃዕሪ ግበሩ ብምባል፥ ኲናት እንተተጀሚሩ ሎሚ ከም ትማሊ ስለ ዘይኮነ ነገራት ክበላሸዩ ይኽእሉ ኢዮም ኢሎም። ኣፈላላይ እንተሃሊዩ ጉዳይካ ብዘተ ምፍታሕ ኢዩ ዘድሊየና ክብሉ እውን ኣተሓሳሲቦም። ኣቦታት ሃይማኖት ሽማግለታት ዓዲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ናብ ኲናት ከይእቶ ሓዚ ሰላም ንክኸውን ታራኹም ተዋፅኡ ክብሉ ፃውዒት ኣቐሪቦም። ህዝቢ ትግራይ ዘተ ይፈልጥ ኢዩ፤ ብዘተ ክፈትሖም ዝግባእ ጉዳያት እውን ስለ ዘለውዎ ቀልጢፍካ ናብ ምዝታይ ምእታው ከምዘድሊ ተዛሪቦም። መንግስቲ ሓደ ጥይት ናይ ምትኹስ ድልየት ከምዝይብሉ ብምፅራሕ፤ ድልያትና ሃገር ምልማዕ እዩ፤ ኩሉ ህዝቢ ክፈልጥ ዘለዎ ኲናት አየድልን ኢሎም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ክልል ትግራይ ሓዊሱ ንዕውትነት ሃገራዊ ምኸክር ኩሉ ናይ ወገኑ ከበርክት ኣድላይ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ እፎይታ ዘምፀአ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ
Jul 3, 2025 140
አዲስ አበባ/ ሰነ/ 26/2017(ኢዜአ)፦ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ እፎይታ ዘምፀአ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ጠሚቱ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓለ ሕቶ ምላሽ ህቦም። ንክልል ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂስምምዕነት ፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ ንደቁ በብማዓልቱ ካብ ምስአን ኣትሪፍዎ እዩ ። ንኢትዮጵያ ድማ ኲናት ብሰዓራይን ተስዓራይን ዘይኮነስ ብዘተ ምፍታሕ ከምዝከኣል ዘርእይ ሓዱሽ ባህሊ ከምዘምፀአ ተዛሪቦም። ኣብ ትግራይ ኣብ እዋን ኲናት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ስልኪ፣ መንግስቲ ወዘተ ኣይነበረን ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ ግን እዚ ተመሓይሹ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ካብ ራያን ፀለምትን ዝተመዛበሉ ወገናት እውን ሙሉእ ብሙሉእ ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱ ገሊፆም። ይኹን እንበር ዲዲኣር ዘይምትግባርን ካብ ወልቃይት ዝተመዛበሉ ወገናት ዘይምምላስን ዝብሉ ዘይተተግበሩ ምዃኖምን ክትግበሩ ከምዝግባእን ኣፅንኦት ሂቦም። እዚ ንምትግባር ግን ኩሎም ሓይሊታት ክተሓባበሩ ከምዝግባእ ገሊፆም። ምክኒያቱ እዞም ክልተ ጉዳያት ናይ ፌዴራል መንግስቲ ፀገም ኣይኮኑን፤ ትግራይ ከይተቐየረት ኢትዮጵያ ትቕየር ኢያ ዝብል እምነት እውን ኣይብልናን። “ንኣንጭዋ ፃዕረ ሞታ ንድሙ መፃወቲታ” ከምዝበሃል ንዝተወሰኑ ሰባት ኲናት መፃወቲኦም ክኸውን ይኽእል ኢዩ ንመናእሰይ ትግራይ ግን መኸሰቡ ሞት ጥራሕ ኢዩ ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ 100 ሚኢታዊ ኲናት ኣይደሊን፤ ሐዚ ኲናት እንተዝፍጠር ዓለም ናባና ጠመተ ዝህበሉ ኩነታት እውን የለን ክብሉ ገሊፆም። ትግራይ ሐዚ ዘድሊ ሰላምን ብዘተ ፀገምካ ምፍታሕን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም። ሙሁራን፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ዓበይቲ ዓዲን ካልኦትን ኲናት ኣብ ትግራይ ቅድሚ ምጅማሩ ሐዚ ሰላም ኣብ ምምፃእ ፃዕሪ ግበሩ ብምባል፥ ኲናት እንተተጀሚሩ ሎሚ ከም ትማሊ ስለ ዘይኮነ ነገራት ክበላሸዩ ይኽእሉ ኢዮም ኢሎም። ኣፈላላይ እንተሃሊዩ ጉዳይካ ብዘተ ምፍታሕ ኢዩ ዘድሊየና ክብሉ እውን ኣተሓሳሲቦም። ኣቦታት ሃይማኖት ሽማግለታት ዓዲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ናብ ኲናት ከይእቶ ሓዚ ሰላም ንክኸውን ታራኹም ተዋፅኡ ክብሉ ፃውዒት ኣቐሪቦም። ህዝቢ ትግራይ ዘተ ይፈልጥ ኢዩ፤ ብዘተ ክፈትሖም ዝግባእ ጉዳያት እውን ስለ ዘለውዎ ቀልጢፍካ ናብ ምዝታይ ምእታው ከምዘድሊ ተዛሪቦም። መንግስቲ ሓደ ጥይት ናይ ምትኹስ ድልየት ከምዝይብሉ ብምፅራሕ፤ ድልያትና ሃገር ምልማዕ እዩ፤ ኩሉ ህዝቢ ክፈልጥ ዘለዎ ኲናት አየድልን ኢሎም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ክልል ትግራይ ሓዊሱ ንዕውትነት ሃገራዊ ምኸክር ኩሉ ናይ ወገኑ ከበርክት ኣድላይ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ካብ ኣባላት ቤት ምኸሪ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝቐረቡ ሕቶታትን ሪኢቶታትን :-
Jul 3, 2025 66
ስርዑ ኣኼባ ቤት ምኸሪ ወከልቲ ህዝብታት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ምክያድ ይርከብ ካብ ኣባላት ቤት ምኸሪ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝቐረቡ ሕቶታትን ሪኢቶታትን :- *ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንዓለም ኣብነት ዝኾነ ዘደንቐ ተግባር ፈፂማ እያ *ብመንግስቲ ለውጢ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ናብ መድረኸ ክመፅእ ኪኢሉ ።መንግስቲ እናካየዶ ዝርከብ ስራሕ ምንቅስቓስ ዲፕሎማሲ ኣዝዩ ዘተባብዕ እዩ ።ኣብ ጉዳይ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ መብሪሂ እንተዝዋሃብ *ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ከተማ እስጋብ ገጠር ይካየድ ዘሎ ልምዓት ኮሪዶር መልክዕ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝቐይር እዩ ፥ እዚ ፕሮጀክት ኣብ እዚ ሓዚ እዋን ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ ኣብ ዝርያ እዚ መብርሂ እንተዝህቡ *ግዕዝይና ጠንቂ ምዕባለናን ሰላምናን ኮይኑ ንከይቐፅል ብወገን መንግስቲ እንታይ ዝተትሓዘ ቅዋምን ዝተቐመጠ ኣንፈትን ኣሎ *ቑጠባ ሃገርና ልዑል ምዕባለ ኣብ ምምዝጋብ ዝርከብ እንትኾነ እውን ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ዝርከብ ማሕበረሰብ ብምኸባር ናብራ እናተጎድአ እዩ እንታይ ፍታሕ ኣሎ *ንመንኣሰይ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ብወገን መንግስቲ ዝተወገኑ ሰናይ ተግባራት አለዉ ኮይኑ ግና ሓዚ እውን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ጎልቢቱ እንተዝቐፅል *ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ካብ ማኣዲ ትምህርቲ ሪሒቖም ዝርከቡ ዓበይቲ መናእሰይ አለዉ ነዚኦም ናብ ማኣዲ ትምህርቲ ንምምላስ እንታይ ዝተቐመጠ ኣንፈት ኣሎ መብርሂ እንተዝዋሃብ *ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ንሰላም ማሕበረሰብ ዝህውኹ ሸፋቱን ፅንፈኛታትን ንዜጋታት እንትቐትሉን ክዕፍኑን ይራኣይ ፍታሕ እንተዝቐመጥ *ኣብ ሃገርና ናህሪ ዋጋ እነወሰኸ ንዓቐሚ ሸማታይ ይፈታተን ኣሎ። ብፍላይ ሰራሕተኛ መንግስቲ ቐድሚኹሉ ተጎዳኣይ እዩ ብወገን መንግስቲ እንታይ ዝተሓሰበ ኣሎ *ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ንምጉልባት ክልላት ነንሕድ ሕዶም ንምርኻብን ፈጣን መሰረት ልምዓት ንምህናፅን እንታይ ዝተሓስበ አሎ
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ስሩዑ ኣኼባኡ ጀሚሩ
Jul 3, 2025 64
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/26/ 2017 /ኢዜኣ/ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ስሩዑ ኣኼባኡ ጀሚሩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝርያ ኣፈፃፅማ መንግስቲ ትልሚ 2017 ኣመልኪቱ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህቡ ኢዮም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል በጀት ዓመት 2018 ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብሓባር ዝተሃነፀ መግለፂ ምንስርራእ ኢትዮጵያን መርኣያ ይከኣልን እዩ-ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ
Jul 2, 2025 127
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 25/2017(ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብሓባር ዝተሃነፀ መግለፂ ምንስርራእ ኢትዮጵያን መርኣያ ይከኣልን ከምዝኾነ ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ገሊፆም። ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዋንጫ ሰላም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ኣረኪቡ። እቲ ዋንጫ፤ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ሌተናል ጄኔራል ድሪባ መኮንን ካብ ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ተረኪቦምዎ። እቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ፤ “ፕሮጀክት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ መርኣያ ጀሚርና ናይ ምፍጻምናን ምኽኣልናን፣ ፕሮጀክት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ምልክት ሓድነትና”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ተኻይዱ። ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምኡ እውን ኣካቢ ቤት ምኽሪ ምትሕብባር ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣያታትና ከምዘፅንዕዋ ኹሉ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ እውን እዚ ናይ ሕዚ ወለዶ ሃገሩ ብረሃፁ ዘልምዐሉ ሓባራዊ ፕሮጀክት እዩ። ፕሮጀክት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብደገፍን ምትሕብባርን ፋይናንስ ኩሎም ዜጋታት ዝተሃነፀ መግለፂ ምንስርራእ ኢትዮጵያን መርኣያ ይከኣልን እዩ ኢሎም። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ንህንፀት እቲ ፕሮጀክት ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 6 ነጥቢ 1 ቢልዮን ብር ዕድጊት ቦንድን ደገፍ ገንዘብን ከምዝገበረ ኣፍሊጦም። ዋና ፈጻሚ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ምትሕብባር ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ኩሎም ዘፈራት ዝገበርዎ ደገፍ ኣብ ወለዶታት እናተዘከረ ዝነብር ታሪኻዊ ኣርማ ዓወት ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያውያን ክሳብ ሕዚ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ልዕሊ 23 ቢልዮን ብር ደገፍ ገንዘብ ከምዝገበሩ እውን ሓቢሮም። ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው፤ ዋንጫ ሰላም ሕዳሰ ግድብ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ብምርካብ ኣብ ኩሎም ክፍለ ከተማታት መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት እናተገበረ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም። እቲ ፕሮጀክት እውን ሽርሒ ዘበነ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዕርፍቲ ዝኸልኦም ውሽጣውን ደጋውን ፀላእቲ ብምሽጋር ኣብ ጉዕዞ ኣሸናፊነት ንክትርከብ እናኽኣላ ከምዝርከብ ገሊጾም። ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ሌተናል ጄኔራል ድሪባ መኮንን ብወገኖም፤ ኣባላት ሰራዊት ፖሊስ እቲ ክልል ምስ ትካላት ፀጥታ ፌዴራል ብምትሕብባር ሰላምን ድሕንነትን እቲ ክልል ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ልምዓት እውን ንቑሓት ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም። ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዋንጫ ሰላም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ 2016 ኣ/ም ካብ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ብምርካብ ንህንፀት እቲ ግድብ ደገፍ ገንዘብ ከተኣኻኽብ ፀኒሑ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ፅባሕ ንቤት ምኸሪ መብርሂን ምላሽን ክህቡ እዮም
Jul 2, 2025 76
ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/26/ 2017 /ኢዜኣ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ፅባሕ 26/ሰነ /2017/ዓ ም ኣብ ቤት ምኸሪ ወከልቲ ህዝብታት ተረኺበም መብርሂ ክህቡ እዮም። ቤት ምኸሪ ወከልቲ ህዝብታት መበል 42 ስርዑ ኣኼባኡ ፅባሕ ከካይድ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፈፃፅማ መንግስቲ ትልሚ በጀት ዓመት 2017 ኣመልኪቱ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህቡ ኢዮም፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል በጀት ዓመት 2018 ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ባይቶ ንኢዜኣ ብዝላኣኾ መረዳእታ ኣመላኺቱ፡፡ ኣብ እቲ ኣኼባ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ኣምባሳደራት ዝተፈላልዩ ሃገራት ፤ተፀዋዕቲ ትካላት ዓለም፤ ኣቦታት ሃይማኖት፤ ፍሉጣት ውልቀሰባትን ኣመራርሓታት ተናሓናሕቲ ፓርቲ ፖለቲካን ክርከቡ እዮም ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ሰነ 2017 ዓ.ም
Jul 2, 2025 68
ኣብ ልምዓት ኢኮኖሚ ፣ ምዕባለ ዓውዲ ቴክኖሎጂ፣ ሰትራቴጂካዊ ዲፕሎማሲን መንግስቶም ንዘላቒ ሃገራዊ ለምዓት ዝገብሮ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ምንቅስቓስን ብዘርእይ መልክዑ ቐፀልቲ ብዝኾኑ ንጥፈታት ኣመላኺቶም። ኣብ እንዛዝሞ ዘላና ወርሒ ሰነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ውራያት ሰፋሕቲ ተግባራት ዘካየድሉ፣ ብብርኪ ሃገር ኣብ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ፣ ሓለዋ ከባቢ ከምኡውን ኣብ ዲጂታልን ፈጠራን ዓውዲታት ተግባራዊ ስጉምቲ ንክህሉ ውሳነ ዘዕረፍሉ ወርሒ ነይሩ። ኩሎም ተግባራት ምዕባለ ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባርን ብብርኪ ዓለም ዘለዋ ኣድላይነት ንምጉላህን ዝዓለሙ ዕዉታት ተግባራት ነይሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ሰነ 2017 ዓ.ም ኣብ ሃገራዊ ንጥፈታት
Jul 1, 2025 143
ልምዓት ኢኮኖሚ ፣ ምዕባለ ዓውዲ ቴክኖሎጂ፣ ሰትራቴጂካዊ ዲፕሎማሲን መንግስቶም ንዘላቒ ሃገራዊ ለምዓት ዝገብሮ ዘሎ ኩለ መዳይ ምንቅስቓስን ብዘርእይ መገዲ ተኸታታሊ ተግባራት ፈፂሞም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ ወርሒ ከም ሃገር ናይ ዘተን ዝሰልጠነ ባህሊ ፖለቲካን እናጎልበተ ንክመፅእ መስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም ኢዮም። ን ምኸትል ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከምኡውን ካልኦት ኣባላት ዶፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ኣብ ዝተረኸብሉ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር ኣጀሚሮም። ኣጀማምራ እዚ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝተገበረ ስነ ስርዓት ንቢል ጌትስ ላዕለዋይ ክብሪ ኒሻን ኢትዮጵያ ብምሽላም ኢዩ። እዚ ዝኸበረ ሽልማት ጌትስ ፋውንዴሽን ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ንዘበርከትዎ ቐፀልቲ ኣሳገርቲ ስራሕቲን ሰናይ ፅዕንቶታትን ዘኽበረ ኢዩ። እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ዓውዲ ጥዕና፣ ግብርና ፣ ዲጂታል መለለዪ ማንነት ዝገብሮ ፃዕሪ ኢሉ ‘ውን ጠንካራ ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ ምትሕብባር እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም። መንቅስቓስ ልምዓት ብዝምልከት ኣነባብራ ማሕበረሰብ ገፀር ንምምሕያሽ ዝተጀመረ ኮሪደር ገፀር ኣብ ኩሎም ከባቢታት እናሰፍሐ መፂኡ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ኣብ ወርሒ ሰነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ዞባ ኣካል ኮሪደር ልምዓት ገፀር ናይ ዝኾኑ ህንፀት ሞዴል መንደራት ገፀር ኣጀሚሮም። ሞዴል መንደራት ገፀር ቀሊል ወፃኢ ዝሓቱን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ እታዎታት ዝህነፁ እንትኾኑ፥ ሓረስቶት እውን ጥዑይን ክብሪ ዘለዎን ህይወት ነክነብር ዘኽአሉ ኢዮም። ኣብቶም ከባቢታት ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ግብርና እውን ረእዮም። ኣብቲ ዑደት ቅድመ ሐዚ ብሓደጋ ውሑጅን ድርቂን ዝፍለጡ ዝነበሩ ከባቢታት ናብ ለምዓት መርኣያነት ዝገበርዎ ሽግግር ተዓዚቦም። ኣብቲ ከባቢ ብፍላይ ብዕፉን ከምኡወን ብልምዓት ኣትክልትን ፍራምረን ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ኣዝዮም ዘተባብዑ ኢዮም። ኣብ ወርሒ ሰነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ መንጎ ዘካየድዎም ዓበይቲ ተግባራት ሓደ ምስ ኢትዮጵያ ቴሌቪዥን ዝገበርዎ ፍሉይ ኣርባዕተ ክፍሊታት ዘለዎ ሰፊሕ ቃለ መሕትት አነትኸወን፥ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓማውቲ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ከም ሃገር ዝተመዝገበቡ ዓወታትን ዘጋጠሙ በድሆታትን ከምኡውን ፀገማት ንምስጋር ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ብዝምልከት ኣብሪሆም። ኣብቲ ቃለ መሕትት እቶም ቀዳማይ ሚኒሰትር ቀፃሊ መብፅሒ ጉዕዞ ዕብየትን ምዕባለን ኣርእዮም። ካሊእ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ወሳኒ ናይ ወርሒ ሰነ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ኣብቲ ምንቅስቓስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ናይጄሪያዊ በዓል ሃፍቲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ንኢትዮጵያ ወሳኒ ዝኾኑ ባህጊታት ንምሙላእ ዘኽእሉ ስልታዊ ናይ ኢንቨስትመንት ዓውዲታት ብዝምልከት ዘተ ገይሮም። ከምኡ ‘ውንጄኔራል ማሪን ኮርፕስ ኣሜሪካን ኣዛዚ ኣፍሪኮም ምስ ዠኮኑ ጄነራል ማይክል ላንግሌይ ሓበራዊ ባህጊታት ኣብ ዝኾኑ ክልቲኣዊን ቀጣናዊን ዛዕባታት ዘቲዮም። ዲፕሎማቲክ ምንቅስቓስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እንትቕፅል፥ ኣብ ወርሒ ሰነ ምስ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ሓይሊ ኣቶሚክ ማሪያኖ ግሮሲ ተራኺቦም። ዓለም ለኸ ሓይሊ ኣቶሚክ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበሮ ደገፍ ኣብ ምክንኻን ሕክምና መንሽሮ፣ ጥልና አንስሳት፣ ኒኩለር ኢንጂነሪንግን ማዕቐፋት ቁፅፅርን ዝጠመተ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ናይ ክልቲኦም ዘተ ኣብ ከይዲ ኣብ ዘለዉ ደገፋትን ናይ ቀፃሊ ምትሕብባራትን ዕድላት ዝጠመተ ነይሩ። ብኻሊእ መዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ሰነ ከም ሃገር ባህሊ ፖለቲካ እናጎልበተ ንክመፅእ ምስ ዝተፈላለዩ ቁልፊ መዳርግቲ ኣካላት ሰፊሕ ዘተታት ኣካይዶም። ብመሰረት እዚ ምስ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ጥብብ፣ ተወከልቲ መምህራን፣ ሞያተኛታት ሚዲያ፣ ተወከልቲ ዓውዲ ጥዕናን ካልኦት ኣካላት ማሕበረሰብን ዘቲዮም። ኣብቲ ዘተ በቢዓውዱ ዘለዉ ዕድላትን እወንታዊ ስጉምቲታትን ኢሉ ‘ውን ከፍተታትን ብድሆታትን ዝተዳህሰስሉ ነይሩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ሰነ ፍሉይ ጠመተ ሂቦም ካብ ዝተንቀሳቐስሉን ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዘቐመጥሉን ዓውዲ፥ ምዕባለ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ቀዋሚ ኤግዚብሽን ሙዚየም ሳይንስ ብዕሊ ተኸፊቱ። እዚ ዝነኣድ ተግባር ኣብ ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ፣ ክሌማዊ ለውጢን ናይ ኢትዮጵያ ምላሽን፣ ግብርና፣ ሓይሊ ማይን ኢነርጂን፣ ኤሮኖቲክስን ኣቪየሽን ዝጠመተ ሓሙሽተ ምድባት ኤግዚብሽን ዝሓዘ ኢዩ። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንምጥቃም ዘለዋ ፅኑዕ ባህጊ ዘርእይ ኢዩ። ብተወሳኺ ኣብ ሃገርና ናይ መጀመሪያ ዝኾነ ናይ ህዋ ቅርፂ ዘለዎ ምርኢት ኣዳራሽ እውን ዕላዊ ኮይኑ። ኣብ 1000 ሜትር ስኩዌር ሜትርን 36 ሜትር ዲያሜትርን ብምሓዝ ዝዓረፈ እቲ አዳራሽ ዘመናዊ መርኣዪ ምስሊ 4k ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝተገጠመሉ ኢዩ። እቲ ምስለ ህዋ ልዑል ፅርየት ዘለዎ ኣዝዩ ዝነኣድ ምስሊታት ብምቕራብ ናይ ህዋ ዓለም ኣዝዩ ኣቕሪቡ ዘርእይ ኢዩ። ብኻሊእ መዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ ሓለዋ ከባቢ ልምዓት ቁልፊ ብሄራዊ ፕሮጀክትታት ዝኾነ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ገብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብምትካል ምብራኽ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዕሊ ኣጀሚሮም። ሓምለዋይ ኣሰር ኣዝዩ ብዙሕ ትሩፋታት ዝተረኸበሉ ስራሕ እንትኸወን፥ ኣብዚ ዓመት ምስ ዝትከል ፈልሲ ናብ 47 ነጥቢ 5 ቢሊየን የብፅሖ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። እዚ ድና ኣብ ዝቕፅል ዓመት ምስ እንተኽሎ እንትድመር 54 ቢሊየን ንምብፃሕ ዘኽእል ኢዩ። ብሓፈሻ ኣብዚ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ዓውዲታት ሰፋሕቲ ተግባራት ዘካየድሉ፣ ብብርኪ ሃገር ኣብ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ፣ ሓለዋ ከባቢ ከምኡውን ኣብ ዲጂታልን ፈጠራን ዓውዲታት ተግባራዊ ስጉምቲ ንክህሉ ውሳነ ዘዕረፍሉ ወርሒ ነይሩ። ኩሎም ተግባራት ምዕባለ ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባርን ብብርኪ ዓለም ዘለዋ ኣድላይነት ንምጉላህን ዝተዓለሙ ዕዉታት ተግባራት ነይሮም።
ሃገራዊ ድሌት ልምዓት ንምምላእ ዓቕሚ ምእካብ ኣታዊ ምዕባይ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ እዩ-ሚኒስትር ኣህመድ ሽዴ
Jul 1, 2025 96
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /24/2017(ኢዜኣ) ኣብ በጀት ዓመት 2018 ሃገራዊ ትልምታት ልምዓት ንምዕዋት ዓቕሚ ምእካብ ኣታዊ ምዕባይን ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ምጥንኻርን ወሳኒ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ ከምዝኾነ ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ ገሊፆም። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መበል 41 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ረቂቕ በጀት ዓመት 2018 መንግስቲ ፌዴራል ኣመልኪቱ ዘትዩ። ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ናህሪ ዋጋ ንምቁፅፃር፣ካብ ስሩዕን ካፒታልን በጀት፣ንምእካብ ካብ ዝተተለመ ኣታዊ፣ንዝተፈላለዩ ትካላትን ንመሰረተ ልምዓትን ዝተመደበ በጀት ከምኡ እውን ምስ ድጎማ በጀት ክልላት ብዝተኣሳሰረ እቲ ረቂቕ በጀት ዝሃቦ ትኹረት ኣመልኪቶም ሕቶ ኣቕሪቦም። ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ ኣብ ዝሃብዎ መልስን መብራህርህን፤ ንበጀት ዓመት 2018 ዝቐረበ ረቂቕ በጀት ዕቤት ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ምምሕያሽ ዓብይ ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም። ረቂቕ በጀት በጀት ዓመት 2018 ድጎማ መዳበሪያን ነዳድን ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ማሕበራዊ ድጎማን ክፍሊታት ዕዳን ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ዝኸውን ስሩዕ በጀት ከምዝሓዙ ገሊፆም። ሕዚ ብዘሎ ኩነታት እቲ ቤት ምኽሪ ዘፅደቖም ፕሮጀክትታት ንምስራሕን ዝተጀመሩ ንምውዳእን ከባቢ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ትሪልዮን ብር ከምዘድሊ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ንውፅኢታውነት ድማ ኣታዊ ምእካብ ወሳኒ ጉዳይ ከምዝኾነን መዳርግቲ ኣካላት ዝሓቖፈ ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ተጣይሹ እናተሰርሐ ከምዘሎን ኣረዲኦም። ኣብታ ሃገር ሕቶታት ልምዓት መንገዲ ብዙሓት ስለዝኾኑ ኩሎም ሕቶታት ንምምላስ ዓቕሚ ከምዝሓትት ብምግላፅ፤ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ካብ ምጅማር ዝተጀመሩ ንምዝዛም ትኹረት ከምዝግበር ተዛሪቦም።
ሕክምና ካንሰር ንምስፋሕ ንልምዓት ሃፍቲ ሰብን ቴክኖሎጅን ትኹረት ተዋሂቡ እዩ-ዶክተር መቅደስ ዳባ
Jul 1, 2025 103
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 24/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ሕክምና ካንሰር ንምስፋሕ ንልምዓት ሃፍቲ ሰብን ቴክኖሎጅን ዝሃበቶ ትኹረት ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ ክብላ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ተዛሪበን። “ጨረራት ተስፋ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሚኒስቴር ጥዕናን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂን ብምትሕብባር ዘዳለውዎን ኣቶሚክ ኢነርጂ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኣብ ዘለዎ ረብሓ ዝመክርን ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣብ መኣከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ። ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ፤ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ፣ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፣ጀነራል ዳሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ማሪያኖ ግሮሲን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ዝተሃነፀ ማእኸል ሜዲሲን ኑክሌር መሪቖም ከፊተሞ። ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ሕማም ካንሰር ንምክልኻል ኢሉ እውን ተበፃሕነት ሕክምና ንምስፋሕ ልዑል ወጻኢ ይሓትት። ስለዝኾነ እውን መንግስቲ ስግኣት ጥዕና ማሕበረሰብ ንዝኾነ ካንሰር ንምክልኻልን ሕክምና ንዘድልዮም ዜጋታት ግቡእ ምርመራን ሕክምና ጨረርን ካንሰር ንምስፋሕን ንልምዓት ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጅን ትኹረት ከምዝሃበ ገሊፀን። እዚ ውፅኢታዊ ንምግባር ድማ ምስ መዳርግቲ ኣካልት ብምዃን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ሓቢረን። ብፍላይ ድማ እቲ ሚኒስቴር ምስ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ(IAEA) ብሓባር ብምዃን ንሕክምና ጨረር ካንሰር ምችው ዝኾኑ ስራሕቲ ምምችቻው ማእኸላት መውሃቢ ሕክምና እናሳለጠ ይርከብ ኢለን። ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ብግድኡ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሕክምና ካንሰር ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝገብሮ ደገፍ ከምዘጠናኽር ገሊፁ።