ሃገራዊ ድሌት ልምዓት ንምምላእ ዓቕሚ ምእካብ ኣታዊ ምዕባይ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ እዩ-ሚኒስትር ኣህመድ ሽዴ





 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /24/2017(ኢዜኣ) ኣብ በጀት ዓመት 2018 ሃገራዊ ትልምታት ልምዓት ንምዕዋት ዓቕሚ ምእካብ ኣታዊ ምዕባይን ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ምጥንኻርን ወሳኒ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ ከምዝኾነ ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ መበል 41 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣብ ረቂቕ በጀት ዓመት 2018 መንግስቲ ፌዴራል ኣመልኪቱ ዘትዩ።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ናህሪ ዋጋ ንምቁፅፃር፣ካብ ስሩዕን ካፒታልን በጀት፣ንምእካብ ካብ ዝተተለመ ኣታዊ፣ንዝተፈላለዩ ትካላትን ንመሰረተ ልምዓትን ዝተመደበ በጀት ከምኡ እውን ምስ ድጎማ በጀት ክልላት ብዝተኣሳሰረ እቲ ረቂቕ በጀት ዝሃቦ ትኹረት ኣመልኪቶም ሕቶ ኣቕሪቦም።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ ኣብ ዝሃብዎ መልስን መብራህርህን፤ ንበጀት ዓመት 2018 ዝቐረበ ረቂቕ በጀት ዕቤት ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ምምሕያሽ ዓብይ ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።

ረቂቕ በጀት በጀት ዓመት 2018 ድጎማ መዳበሪያን ነዳድን ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ማሕበራዊ ድጎማን ክፍሊታት ዕዳን ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ዝኸውን ስሩዕ በጀት ከምዝሓዙ ገሊፆም።

ሕዚ ብዘሎ ኩነታት እቲ ቤት ምኽሪ ዘፅደቖም ፕሮጀክትታት ንምስራሕን ዝተጀመሩ ንምውዳእን ከባቢ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ትሪልዮን ብር ከምዘድሊ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ንውፅኢታውነት ድማ ኣታዊ ምእካብ ወሳኒ ጉዳይ ከምዝኾነን መዳርግቲ ኣካላት ዝሓቖፈ ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ተጣይሹ እናተሰርሐ ከምዘሎን ኣረዲኦም።

ኣብታ ሃገር ሕቶታት ልምዓት መንገዲ ብዙሓት ስለዝኾኑ ኩሎም ሕቶታት ንምምላስ ዓቕሚ ከምዝሓትት ብምግላፅ፤ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ካብ ምጅማር ዝተጀመሩ ንምዝዛም ትኹረት ከምዝግበር ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም