ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ሰነ 2017 ዓ.ም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ሰነ 2017 ዓ.ም

ኣብ ልምዓት ኢኮኖሚ ፣ ምዕባለ ዓውዲ ቴክኖሎጂ፣ ሰትራቴጂካዊ ዲፕሎማሲን መንግስቶም ንዘላቒ ሃገራዊ ለምዓት ዝገብሮ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ምንቅስቓስን ብዘርእይ መልክዑ ቐፀልቲ ብዝኾኑ ንጥፈታት ኣመላኺቶም።
ኣብ እንዛዝሞ ዘላና ወርሒ ሰነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ውራያት ሰፋሕቲ ተግባራት ዘካየድሉ፣ ብብርኪ ሃገር ኣብ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ፣ ሓለዋ ከባቢ ከምኡውን ኣብ ዲጂታልን ፈጠራን ዓውዲታት ተግባራዊ ስጉምቲ ንክህሉ ውሳነ ዘዕረፍሉ ወርሒ ነይሩ። ኩሎም ተግባራት ምዕባለ ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባርን ብብርኪ ዓለም ዘለዋ ኣድላይነት ንምጉላህን ዝዓለሙ ዕዉታት ተግባራት ነይሮም።