ሕክምና ካንሰር ንምስፋሕ ንልምዓት ሃፍቲ ሰብን ቴክኖሎጅን ትኹረት ተዋሂቡ እዩ-ዶክተር መቅደስ ዳባ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕክምና ካንሰር ንምስፋሕ ንልምዓት ሃፍቲ ሰብን ቴክኖሎጅን ትኹረት ተዋሂቡ እዩ-ዶክተር መቅደስ ዳባ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 24/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ሕክምና ካንሰር ንምስፋሕ ንልምዓት ሃፍቲ ሰብን ቴክኖሎጅን ዝሃበቶ ትኹረት ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ እያ ክብላ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ተዛሪበን።
“ጨረራት ተስፋ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሚኒስቴር ጥዕናን ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂን ብምትሕብባር ዘዳለውዎን ኣቶሚክ ኢነርጂ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኣብ ዘለዎ ረብሓ ዝመክርን ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣብ መኣከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ።
ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ፤ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ፣ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፣ጀነራል ዳሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ማሪያኖ ግሮሲን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ዝተሃነፀ ማእኸል ሜዲሲን ኑክሌር መሪቖም ከፊተሞ።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ሕማም ካንሰር ንምክልኻል ኢሉ እውን ተበፃሕነት ሕክምና ንምስፋሕ ልዑል ወጻኢ ይሓትት።
ስለዝኾነ እውን መንግስቲ ስግኣት ጥዕና ማሕበረሰብ ንዝኾነ ካንሰር ንምክልኻልን ሕክምና ንዘድልዮም ዜጋታት ግቡእ ምርመራን ሕክምና ጨረርን ካንሰር ንምስፋሕን ንልምዓት ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጅን ትኹረት ከምዝሃበ ገሊፀን።
እዚ ውፅኢታዊ ንምግባር ድማ ምስ መዳርግቲ ኣካልት ብምዃን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ሓቢረን።
ብፍላይ ድማ እቲ ሚኒስቴር ምስ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ(IAEA) ብሓባር ብምዃን ንሕክምና ጨረር ካንሰር ምችው ዝኾኑ ስራሕቲ ምምችቻው ማእኸላት መውሃቢ ሕክምና እናሳለጠ ይርከብ ኢለን።
ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ኢነርጂ ብግድኡ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሕክምና ካንሰር ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝገብሮ ደገፍ ከምዘጠናኽር ገሊፁ።