ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብሓባር ዝተሃነፀ መግለፂ ምንስርራእ ኢትዮጵያን መርኣያ ይከኣልን እዩ-ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብሓባር ዝተሃነፀ መግለፂ ምንስርራእ ኢትዮጵያን መርኣያ ይከኣልን እዩ-ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 25/2017(ኢዜኣ) ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብሓባር ዝተሃነፀ መግለፂ ምንስርራእ ኢትዮጵያን መርኣያ ይከኣልን ከምዝኾነ ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ገሊፆም።
ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዋንጫ ሰላም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ኣረኪቡ።
እቲ ዋንጫ፤ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ሌተናል ጄኔራል ድሪባ መኮንን ካብ ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ተረኪቦምዎ።
እቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ፤ “ፕሮጀክት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ መርኣያ ጀሚርና ናይ ምፍጻምናን ምኽኣልናን፣ ፕሮጀክት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ምልክት ሓድነትና”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ተኻይዱ።
ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምኡ እውን ኣካቢ ቤት ምኽሪ ምትሕብባር ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣያታትና ከምዘፅንዕዋ ኹሉ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ እውን እዚ ናይ ሕዚ ወለዶ ሃገሩ ብረሃፁ ዘልምዐሉ ሓባራዊ ፕሮጀክት እዩ።
ፕሮጀክት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ብደገፍን ምትሕብባርን ፋይናንስ ኩሎም ዜጋታት ዝተሃነፀ መግለፂ ምንስርራእ ኢትዮጵያን መርኣያ ይከኣልን እዩ ኢሎም።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ንህንፀት እቲ ፕሮጀክት ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 6 ነጥቢ 1 ቢልዮን ብር ዕድጊት ቦንድን ደገፍ ገንዘብን ከምዝገበረ ኣፍሊጦም።
ዋና ፈጻሚ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ምትሕብባር ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር) ብግደኦም፤ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ኩሎም ዘፈራት ዝገበርዎ ደገፍ ኣብ ወለዶታት እናተዘከረ ዝነብር ታሪኻዊ ኣርማ ዓወት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያውያን ክሳብ ሕዚ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ልዕሊ 23 ቢልዮን ብር ደገፍ ገንዘብ ከምዝገበሩ እውን ሓቢሮም።
ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው፤ ዋንጫ ሰላም ሕዳሰ ግድብ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ብምርካብ ኣብ ኩሎም ክፍለ ከተማታት መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት እናተገበረ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም።
እቲ ፕሮጀክት እውን ሽርሒ ዘበነ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዕርፍቲ ዝኸልኦም ውሽጣውን ደጋውን ፀላእቲ ብምሽጋር ኣብ ጉዕዞ ኣሸናፊነት ንክትርከብ እናኽኣላ ከምዝርከብ ገሊጾም።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ሌተናል ጄኔራል ድሪባ መኮንን ብወገኖም፤ ኣባላት ሰራዊት ፖሊስ እቲ ክልል ምስ ትካላት ፀጥታ ፌዴራል ብምትሕብባር ሰላምን ድሕንነትን እቲ ክልል ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ልምዓት እውን ንቑሓት ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዋንጫ ሰላም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኣብ 2016 ኣ/ም ካብ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ብምርካብ ንህንፀት እቲ ግድብ ደገፍ ገንዘብ ከተኣኻኽብ ፀኒሑ እዩ።