ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ፅባሕ ንቤት ምኸሪ መብርሂን ምላሽን ክህቡ እዮም

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሰነ/26/ 2017 /ኢዜኣ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (/) ፅባሕ 26/ሰነ /2017/ዓ ም ኣብ ቤት ምኸሪ ወከልቲ ህዝብታት ተረኺበም መብርሂ ክህቡ እዮም

ቤት ምኸሪ ወከልቲ ህዝብታት መበል 42 ስርዑ ኣኼባኡ ፅባሕ ከካይድ እዩ

 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፈፃፅማ መንግስቲ ትልሚ በጀት ዓመት 2017 ኣመልኪቱ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህቡ ኢዮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ረቂቕ በጀት መንግስቲ ፌዴራል በጀት ዓመት 2018 ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ባይቶ ንኢዜኣ ብዝላኣኾ  መረዳእታ ኣመላኺቱ፡፡

ኣብ እቲ ኣኼባ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ኣምባሳደራት ዝተፈላልዩ ሃገራት ተፀዋዕቲ ትካላት ዓለም ኣቦታት ሃይማኖት ፍሉጣት ውልቀሰባትን ኣመራርሓታት ተናሓናሕቲ ፓርቲ ፖለቲካን ክርከቡ እዮም ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም