ሳይንስን ቴክኖሎጅን - ኢዜአ ትግርኛ
ሳይንስን ቴክኖሎጅን
ኣምባሳደር እስክንድር ይርጋ ኣብ ጀርመን ምስ ዝነብሩ ዲያስፖራታት ዘትዮም
Mar 18, 2025 5
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 9/2017 (ኢዜኣ) ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን እስክንድር ይርጋ ኣብታ ሃገር ምስ ዝነብሩ ኣባላት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ብበይነ መረብ ዘትዮም። ኣብቲ ዘተ፤ ኣንፈታት፣ውሳነታትን ቀፃሊ ዘፈራት ትኹረትን ፖሊሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምልከት ነቶም ዲያስፖራት በቲ ኤምባሲ ገለፃ ተገይሩ። ብሄራዊ ኣተኣኻካቢ ተረኽ፣ስትራቴጂታት ህንፀት ሃገር፣ህንፀት ዘላቒ ሰላም፣ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዛዕባታት ከምኡ እውን ኣንፈታት ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ካብ ዝተዘተየሎም ዛዕባታት እዮም። እቶም ኣባላት ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ንውፅኢታውነት ትግበራ እቶም ፖሊሲታት ይጠቕሙ እዮም ዝበልዎም ሓሳባት ከምዘልዐሉ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት። እቲ ኤምባሲን ዲያስፖራታትን እቶም ፖሊሲታት ውፅኢታዊ ንክኾኑ ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ እውን ተገሊፁ።
ኣባላት ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘለው ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ገይሮም
Mar 18, 2025 4
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/9/ 2017 /ኢዜአ/ኣባላት ኣመራርሓ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፣ ምሁራንን ሰራሕተኛታትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ዘተዋዊሮም ተዓዚቦም፡፡ ተተካኢ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍለን(ዶ/ር) ሓዊሱ ምክትል ፕሬዚዳንት፣ ዲናት ዝተፈላለያ ክፍሊ ትምህርቲ፣ ሙሁራን እቲ ዩኒቨርስቲን ሰራሕተኛታት ኣብቲ ዑደት ተሳቲፎም። ዑደት ካብ ዘካየዱሎም ስራሕቲ ልምዓት ውሽጢ፥ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስን ስራሕቲ ኮሪደር ልምዓትን ከምዝርከቡ ተፈሊጡ አሎ፡፡
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣናእሽቱ ከተማታት ኣማራፂ ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ይካይድ ከምዘሎ ተገሊፁ
Mar 16, 2025 32
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/7/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣናእሽቱ ከተማታት ወረዳ ኣማራፂ ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ይካይድ ከምዘሎ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገሊፁ። ዳይሬክቶሬት ልምዓት ኢነርጂ እቲ ቢሮ፥ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ንመናእሰይን ገባራትን ናይ ባዮ ማስ ቆጠብቲ እቶናትን ናይ ሶላር ቴክኖሎጂታትን ንምትእትታው ዝዓለመ ናይ ምልላይ ስራሕቲ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ኣካል ኣብ ገጠር ወረዳታት ኣብ ዘለዋ ከተማታት ኣማራፂ ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ መድረኽ ምልላይ ከምዝኾነ ኣብሪሁ። ዉሕስንኦም ዝተረጋገፀ፣ ቆጠብቲ ወፃእን ሓይልን ብልቓሕ ኣማራፂ ኢነርጂ ንምስፍሕፋሕ ናይ ምልላይ፣ ምሻጥን ምዝገባን ስራሕቲ ይሳለጥ ምህላዉ ካብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ዞባዊ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ምትእምማንን ብርቱዕ ምትሕብባርን መራሕቲ ይሓትት-ጋዜጠኛታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ
Mar 15, 2025 30
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት /6/2017 (ኢዜኣ) መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ንክረጋገፅ ኣብ ምትእምማን መሰረት ዝገበረ ምትሕብባር ከጠናኽሩ ከምዘለዎም ኢዜኣ ዘዘራረቦም ጋዜጠኛታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ገሊፆም። ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ጋዜጠኛታት ኣብ ዞባዊ ሰላም፣ልምዓትን ምትእስሳርን ጠመተ ብምግባር ኣብ ስቱድዮ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ዘትዮም። እቶም ጋዜጠኛታት ኣብ ዝነበሮም ዘተ፤ መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ሃገራውን ዞባውን ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ኣብ ምትእምማን መሰረት ዝገበረ ምትሕብባር ከጠናኽሩ ከምዘለዎም ገሊፆም። ኬንያዊ ጋዜጠኛ ናሊስተን ጃጊ፤ ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ሰላምን ፀጥታን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ብመሰረት”ንኣፍሪካዊ ፀገም፤ ኣፍሪካዊ መፍትሒ” ዝብል ቀዋም ንዘላቒ ሰላም ምትሕብባር ይግባእ ኢሉ። ጋዜጠኛ ደቡብ ሱዳን ናሊስተን ጃጊ ብግድኡ፤ ንዞባዊ ፀገማት ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ካሊእ ብዝሓሸ ብቐረባ ምዝታይን ነቲ ፀገም መፍትሒ ምንዳይን እምበር ሳልሳይ ወገን ምዕዳምን እቲ ጉዳይ ምግዳድን ከምዘይግበአን ሓቢሩ። ኡጋንዳዊት ጋዜጠኛ ዲያና ኣኩሎ፤ ሰላም ንምርግጋፅ ሚድያ ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ብምሕባር ጋዜጠኛታት ጎንፂ ኣብ ምግዳድ ዘይኮነስ ዞባዊ ሓድነትን ሰላምን ኣብ ምርግጋፅ ንክሰርሑ ሓቲታ። ዝተዛብዑን ዝተሰሓሓቱን ሓበሬታታት ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው እናፈጠርሉ ኣብ ዘለውሉ እዋን እቲ ትኽክለኛ ሓበሬታ ኣብ እዋኑ ምዝርጋሕ ኣድላይ ከምዝኾ እውን ተዛሪባ።
ኢትዮጵያ ንሰገናት ብቴክኖሎጂ ንምብቃዕ ዘለዋ ቆራፅነት ዘደንቕ ኢዩ - ኤምባሲ ኣሜሪካ
Mar 15, 2025 28
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/6/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ሰገናት ብፈጠራን ፍልጠት ቴክኖሎጂን ንምብቃዕ ዘለዋ ቆራፅነት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንኢዱ፡፡ ሳይንስ ሙዚየም ሓዊሱ ፍልጠት ፈጠራን ቴክኖሎጂን ሰገናት ንምድንፋዕ እናተወገኑ ዝርከቡ ተግባራት ኢትዮጵያ እቲ ዓውዲ ንምዕባይ ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብቲ ኤምባሲ ምክትል ሓላፊ ጉዳያት ባህሊ ስትዋርት ዴቪስ ገሊፆም። ኣሜሪካ መፃኢ ዘበን መሪሕ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንዝኾኑ ኣፍሪካዊያን መናእሰይ ብሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ኢንጂነሪንግን ሒሳብ (ስቴም)ን ሓገዝ እናገበረት ከምዝኾነት እውን ተዛሪቦም። ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ብሽዱሽተ ማእኸላት ስቴም ስልጠና እናተውሃበ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ሃዋሳ ተወሳኺ ማእኸል ንምኽፋት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ምግላፆም ኢዚኣ ፀብፂቡ።
ንፀብፃባት ድሌትን ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢን ኢትዮጵያ ብምርዳእ ክስርሑ ይግባእ
Mar 14, 2025 34
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/5/ 2017 /ኢዜአ/ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ተለዋዋጣይ ነባራዊ ኩነታት ዓለም ብምግንዛብ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሕልዉ ስራሕቲ ትኹረት ብምግባር ክሰርሑ ተሓቲቱ። ተለዋዋጣይ ነባራዊ ኩነታት ዓለምን ጂኦ-ፖለቲካል ኣሰላልፋን ኣብ ስራሕቲ ሚዲያ ዝህልዎ ትርጉም ትኹት ዝገበረ ስልጠና ተኮር መድረኽ ፓናል ዘተ ይካድ ኣሎ። እቲ መድረኽ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ግልጋሎት ምስ ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢን ሆርን ሪቪው ምስ ዝተብሃለ ትካል ኦንላይን ሚዲያን ብምትሕብባር ዝተሰናደአ ኢዩ። ካብ ዝተፈላለያ ትካላት መራኸቢ ሓፋሽ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ዝተሳተፉሉ እቲ መድረኽ÷ ሰብ ሞያ መራኸቢ ሓፋሽ ኣብ እዋናዊ ተለዋዋጢ ኩነታት ዓለምን ጂኦ-ፖለቲካዊ ጉዳያትን ግንዛቤ ብመሓዝ ንኽሰርሑ ንምሕጋዝ ዓሊሙ ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢኒስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ኣብዲ ዘነበ፣ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዘሩባቤል ጌታቸው (ዶ/ር)፣ ሓዊሱ ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም። ኣይተ በረከት ድሪባ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ መራኸብቲ ሓፋሽ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ልዑል ዓቕሚ ዲፕሎማሲ ዝፈጥራ ኢየን። ነዚ ድማ ድሌትን ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢን ኢትዮጵያ ምርዳእ ከምዝግባእ ብምሕባር÷ መሰል መድረኻት መዕበዪ ግንዛበ ረብሐኦም ክብ ዝበለ ከምዝኾነ ገሊፆም። ኢንስቲትዩት ጉዳያት ኣብቲ ዓውዲ ዓቕሚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዘዕብዩ ስራሕቲ ብትኹረት ከምዝሰርሕ ምርግጋፆም ኢዚአ ፀብፂቡ።
መራኸብቲ ሓፋሽ ስራሕቲ ጥበብን ባህልን ብምጥቃም ምስሊ ሃገር ከጉልሁ ይግባእ
Mar 12, 2025 37
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት /3/2017 (ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ ስራሕቲ ጥበብን ባህልን ብምጥቃም ምስሊ ሃገር ከጉልሁ ከምዝግባእ ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ገሊፆም። ኢትዮጵያ “ባህልን ጥበባትን ንዞባዊ ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 11 ክሳብ 14 መጋቢት 2017 ዓ/ም ካልኣይ ፌስቲቫል ባህልን ጥበባትን ምብራቕ ኣፍሪካ ክተዳልው እያ። ኣብቲ ፌስቲቫል ዝጠመተ ንትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ መድረኽ መጨበጢ ግንዛበ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ። ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ኣብዚ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢኣ ቀዳምነት ንጎረቤት ሃገራት እያ ትህብ። ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ረብሓ መሰረት ዝገበረ ጠንካራ ርክብ ከምዘለዋ ብምሕባር፤ እዚ ምትእስሳር ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዝግባእ ሓቢሮም። ኣብ ጎረቤት ሃገራት ዘሎ ተመሳሳሊ ባህሊ ንሰናይ ተግባር ምጥቃምን ልምዓት እቲ ዞባ ምቅልጣፍን ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም። ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢ እቲ ዞባ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ባህልን ኪነ ጥበብን ቁልፊ እጃም ከምዘለዎ ገሊፆም። ባህልን ኪነ ጥበብን ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብዝበለፀ ንከጠናኽሩ መራኸብቲ ሓፋሽ ካብቲ ዝተለመደ ፀብፃብ ብዝበለፀ ብዕምቆትን ስፍሓትን ክፅብፅቡን ከላልዩን ከምዘለዎም እውን ኣረዲኦም። መራኸብቲ ሓፋሽ ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ኣብ ዘረጋግጹ ዛዕባታት ሓባራዊ ግንዛበ ክሕዙን ምስሊ ሃገር ዘላልዩ ፀብፃባት ክሰርሑን ኣለዎም ኢሎም።
“ኣፍራያይ ኢንዱስትሪ ዝሰልጠነን ክእለት ዘለዎን ሓይሊ ሰብ ይደሊ“- ታረቀኝ ቡሉልታሚኒስትር ዲኤታ ኢንዱስትሪ
Mar 10, 2025 44
አዲስ አበባ/መጋቢት/1/2017/ኢዜአ/ኣብ ሃገርና ብዙሓት ስራሕ ዘሰኣኑ መናእሰይ እንተሃለው 'ውን ኣፍራያይ ኢንዱስትሪ ዝጠልቦ ክእለት ዘማልኡ ግና ውሑዳት 'ዮም ክብሉ ሚኒስትር ዲኤታ ኢንዱስትሪ ኣይተ ታረቀኝ ቡሉልታ ገሊፆም። ኣብ መነጎ ኣፍራያይ ኢንዱስትሪን ክእለት ዘለዎ ስራሕ ዝሰኣነ መንእሰይን ዘሎ ኣፈላይ ምፅባብ የድሊ ዝበሉ ኣይተ ታረቀኝ፤ ነዚ 'ውን ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ምስ ስራሕ ክእለትን ሚኒስቴር ብምዃን ብምትሕብባር እናሰርሐ 'ዩ ኢሎም። ካብዚ ብዝሓለፈ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ማእኸላት ስልጠና ዘለውኦ እንትኸውን ንኣብነት ብዘፈር ቆርበትን ጨርቃመርቂን ብቁዕ ሓይሊ ሰብ ናይ ምፍራይ ስራሕ እናሰርሑ ምዃኖም 'ውን ገሊፆም። ክእለትን ግብርናን፣ ቱሪዝምን ማዕድንን ዘፈር ኢንዱስትሪ ንምዕባይ ወሳኒ 'ዩ። ነዚ ድማ እቲ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር" ዓቕሚ ሀንፀት ስትራቴጂ ኢንዱስትሪ " ተዳሊዩ 'ዩ ኢሎም።
ንሓደሽቲ ስራሕ ፈጠርቲ መናእሰይ ናይፋይናንስ : መስርሒ ቦታን ኣቅርቦት ቴክኖሎጂ ክመቻቸው ይግባእ -ማህሌት ኣፈወርቅ
Mar 10, 2025 50
አዲስ አበባ/መጋቢት/1/2017/ኢዜአ/መስራቲት ፋሽን ማፊ ማፊ ብራንዲንግ ማህሌት ኣፈወርቅ ክህሎት ስለኢትዮጵያ : ብዝብል ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ኣብ ዘቅረበቶ መዛተይ ሓሳብ ከምዝገለፀኦ : ንሓደሽቲ ስራሕ ፈጠርቲ መናእሰይ ናይ ፋይናንስ : መስርሒ ቦታን ኣቅርቦት ቴክኖሎጂ ወሰንቲ 'ዮም። ንስራሕ ፈጠርቲ መበገሲ ገንዘብ መስርሒ ቦታ ምትእስሳር ዕዳጋ ኣድለይቲ ከምዝኾኑ ድሕሪ ምግላፅ ፅሬት ትምህርቲ ምርግጋፅ ድማ ናይቲ ዘፈር ወሳኒ ጉዳይ 'ዩ ክብላ ገሊፀን። ኢንዱስትሪ ፋሽን በቢግዚኡ ክሰፍሕ ዝኽእል 'ዩ ዝበለት ወይዘሮ ማህሌት እቲ ፋሽን ኢንዱስትሪ ትኹረት ክወሃበሉን ክስረሐሉን ይግባእ። ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ተማሂሩ ዝወፅእ ዜጋ ምፍጣር ወሳኒ ምዃኑ : ሕድሕድ ኢንዱስትሪ ዘድልዮ ፅሬት ዘለዎን ብቁዕ ዜጋ ንምፍራይ ምስራሕ ከምዘለዎ ኣብሪሀን። ውልቀ ሴክተር ክፍተት ክህሎት ንምምላእ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፀን።
ሃርበኝነት ናይሎሚ ዘበን ብዓርሰ ክእለት ንሃገር ኢትዮጵያ ምህናፅ እዩ
Mar 10, 2025 34
አዲስ አበባ/ መጋቢት 01/2017(ኢዜአ)፦ ሃርበኝነት ናይ ሎሚ ዘበን ብዓርሰ ክእለት ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ምህናፅ ክም ዝካአልሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን። ወለዶ ናይ ሎሚ ዘበን መስዋእትነት ህይወት ምኽፋል ከየድለዮ ብኽእለት ጥራሕ ንኢትዮጵያ ምህናፅ ይኸእል እዩ። እተን ሚኒስትር ብትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዝተሰናድአ “ክእለት ንኢትዮጵያ” ዓውደ ርእይ ሰእልን ፓነል ዘተን ከፊተን። ከእለት ኢትዮጵያ ንውልቀ ዘይኮነስ ብሓባር መስራሕ ዘድሊዮ ተግባር ከምዝኾነ ተዛሪበን። ብዛዕባ ኢትዮጵያ ምዝርራብ ዝተፈለየ ስምዒት ከምዝህብ ብምግላፅ፥ ሃገር ንምህናፅን ናይ ባዕልትና ዓድዋ ንምፍጣርን እንታይ ክንገብር ከምዘለና ጭቡጥ ፍልጠት እንረኽበሉ ኢዩ ኢለን። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትካላት ቴክኒክን ሞያን ካብ 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ንላዕሊ ዜጋታት ይስልጥኑ ከምዘለዉ ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ድሮን ብምፍራይ ንዕዳጋ ወፃኢ ምቕራብ ዘኽእል ዓቕሚ አጥርያ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
Mar 9, 2025 50
ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/30/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ድሮን ብምፍራይ ካብ ምጥቃም ብተወሳኺ ንዕዳጋ ወፃኢ ምቕራብ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዝሃነፀት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፍሊጦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንሲቪልን ወታደራዊ ኣገልግሎትን ዝውዕላ ሰብ ኣልባ ድሮናት ዘፍሪ ስካይ ዊን ኢንዱስትሪ መሪቖም ከፊቶም። እቲ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ፀጥታን ድሕንነትን ብቴክኖሎጂ ዓርሳ ንምኽኣል ዝጀመረቶ ፃዕሪ ሓደ ኣካል ከምዝኾነ ተዛሪቦም። እቲ ኢንዱስትሪ ዘፍርየን ድሮናት ኢትዮጵያ ሉኣላዊነታ ናይ ምሕላው ዓቕማ ብዝበለፀ ዘዕብዩ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። እተን ድሮናት ኣብ ልዑል መልክኣ ምድሪ ብብቕዓት ኣገልግሎት ዝህባን ፃረ ድሮን እውን ዝተዓጠቓን ከምዝኾና ኣረጋጊፆም። ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብልዑል ብርኪ ከምዝጥቀማ እውን ተዛሪቦም። እተን ድሮናት ሓበሬታ ፥ይእክባ፣ ፥ይከላኸላ፣ ከም ኡ እውን ንምጥቃዕ ዘኽእል ዓቕሚ ፥ከም ዘለወን ብምግላፅ፥ ኢትዮጵያ ድሮን ንዕዳጋ ወፃኢ ምቕራብ ዘኽእል ዓቕሚ እውን ከምዝሃነፀት ኣረዲኦም። ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ዓውዲ ዝሰርሑ ትካላት ብዝበለፀ ብምውዳድ ስራሕቲ ምርምር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ን ሕብረት ቴሌኮሚኒኬሽን ዓለምን አብ ዘፈር ዲጂታል ዘለዎም ርክብ ንምጉልባት ከምዝሰርሑ ገሊፆም
Mar 7, 2025 46
ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/28/ 2017/ ኢዜአ/ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ቴሌኮሚኒኬሽ ኣብ ዞባ ኣፍሪካ ኢማኑኤል ምናሴ (ዶ/ር) ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሉ ጉዳያት ተዛትዮም፡፡ ኣብ ዘተኦም ድማ ኢትዮጵያ ትግበራ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ሓጋዚ ምዃኑ ብሓባር ምስራሕ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምጉልባት ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡ በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ጠመተ ሂባ ብምስራሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባርን ምዉዳብን ቀፃሊ ዝኾነ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ንምፍጣር እናሰርሐት ከምዘላ ገሊፆም፡፡ ዕብየት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ጋህዲ ምግባር ወሳኒ እዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ብምትሕብባር ዓዉዲ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ተረባሕነት ንምርግጋፅ ናይ ኩሉ ተሳትፎ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም፡፡ ኢማኑኤል ምናሴ (ዶ/ር) ብወገኖም÷ “ኢትዮጵያ ኣብ ዓዉዲ ዲጂታል እተካይዶ ዝበረታታዕ ፃዕሪ ዉፅኢታዊ ንክኾን ኣድላዪ ምትሕብባር ብምግባር ብሓባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፡፡ ትግበራ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ንምስላጥ ዘኽእል ህንፀት ሓይሊ ሰብ ሰፋሕቲ ስራሕትታት ንምስራሕ ልዑል ድልየት ከምዘለዎም ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ቴሌኮሚኒኬሽ ኣብ ቀጣና ኣፍሪካ ኢማኑኤል ምናሴ (ዶ/ር) ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኸት፡፡
አብ ልዕሊ አብ ማሕበራዊ ሚዲያ ናይ ሓሶት መረዳእታ ዝውዝዑ አካላት ታሓታትነት ምርግጋፅ ይግባእ -ሙሁራን
Feb 28, 2025 69
መቐለ/ለካቲት 21/2017 (ኢዜአ)፦ አብ ልዕሊ አብ ማሕበራዊ ሚዲያ ናይ ሓሶት መረዳእታ ዝውዝዑ አካላት ታሓታትነት ምርግጋፅ ይግባእ ክብሉ ሙሁራን አታሓሳሲቦም ንማሕበራዊ ሚዲያ ተጠቒሞም ናይ ሓሶት መረዳእታን ፅልእን ዝዝርግሑ አካላት ቑፅፅርን ታሓታትነትን ምርግጋፅ ከምዝግባእ ኢዜአ ዘዘራረቦም ሙሁራን ዩኒቬርስቲ መቐለ ተዛሪቦም አብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ዘረባን ፅልአትን ዝተመልኦ መረዳእታ ዝዝርግሑ አካላት መንግስቲ ጥቡቐ ቑፅፅር ክገብር አለዎ ዝበሉ እቶም ምሁራን እቶም ውልቀሰባት እውን ህዝብን ሃገርን ካብ ምድንጋርን ምግጫውን ክዕቀቡ ከምዘለዎም አመልኪቶም ። አብ መቐለ ዩኒቬርሲቲ መምህራን ስነዜጋን ስነምግባርን ከምዝበልዎ ብማሕበራዊ ሚዲያ አቢሎም ዝማሓላለፉ ናይ ሓሶትን ፅልእን መረደእታታት መበገሲ ጎንፅን ዘይምርግጋዕን ከምዝኾኑ ፀሪሖም። ብፍላይ አብ ወፃኢ ሃገራት ኮይኖም ሰላም ህዝብን ሃገርን ንምሕማስ ብስፍሓት ዝንቐሳቐሱ አካላት ከምዝለውን ምልክዕ ክሕዙን ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ንዕቤት ኢኮኖሚ መሰረት ዘንብሩ ስራሕቲ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ተወጊኖም-ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን
Feb 28, 2025 51
ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/21/ 2017 /ኢዜአ/ንዕቤት ኢኮኖሚ መሰረት ዘንብሩ ስራሕቲ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ከምዝተወገኑ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስቴር ምስ ኤክስቴንሲያ ብምትሕብባር ንክልተ መዓልቲታት ኣብ ቴክኖሎጂ፣ ሰብ ስራሕ ምስትውዓልን ዲጂታል ምምሕዳርን ጠሚቱ እናካየዶ ዝፀንሐ ጉባኤ ዛዚሙ። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 300 ተሳተፍቲ ዝተሳተፉሉ እቲ ጉባኤ ኣብ ኣፍሪካ ቅልጡፍ ዲጂታል ትግበራ ትራንስፎርሜሽን ንምቅልጣፍ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ንምውሳን ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡ ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ይሽሩን ኣለማየሁ (ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ዲጂታል መሰረተ ልምዓትን ሰብ ስራሕ ምስትውዓልን ኣብ ቀፃሊ ከሰጉሙ ዝኽእሉ ፖሊሲታት ብምሕንፃፅ እናሰርሐት ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ሓደሽቲ ዕድላት ንምምፃእ ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ስታርትኣፕን ኣይ ሲ ቲን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ንዕቤት ኢኮኖሚ መሰረት ከምዘንብሩ ተዛሪቦም፡፡ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ድሕንነት ሳይበር፣ ኣብ ስማርት ከተማታት ከምኡ እውን ንዲጂታል መሰረተ ልምዓት ዝሕግዙ ልዝባት ከምዝተገበሩ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡
ንዕዙዝ ሃገራዊ ዕቤት ትግበራ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ምቅልጣፍ ይግባእ ተባሂሉ
Feb 26, 2025 57
ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/19/ 2017 /ኢዜአ/ ኣህጉራት ኣፍሪካ ዕዙዝ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምምፃእ ትግበራ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ከቀላጥፋ ከምዝግባእ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡ እቲ ሚኒስቴር ምስ ኤክስቴንሲያ ብምትሕብባር ንክልተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ኣብ መፃኢ ዕድል ዲጂታል ኣፍሪካ ዝዝቲ ጉባኤ 2025 ቕልጡፍ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካይድ ኣሎ፡፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ኣፍሪካ ቅልጡፍ ትግበራ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ብምስላጥ ዕዙዝ ሃገራዊ ዕቤት ንምምዝጋብ ዝዓለመ ምኳኑ÷ ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረከብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡
ኢትዮ ቴሌኮም ብኣግልጋሎት ክላውድ ዝተሃነፁ ዲጂታል ሶሉሽናት ኣጀሚሩ
Feb 26, 2025 52
ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/19/ 2017 /ኢዜአ/ ኢትዮ ቴሌኮም ንዓማዊልን ትካላትን ዓቕሞም ዘጎልብቱን ዘዘምኑን ኣብ ግልጋሎት ክላውድ ዝተሃነፁ ሸውዓተ ሶሉሽናት ዕላዊ ገይሩ፡፡ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህወት ታምሩ ከምዝገለፅኦ÷ ዲጂታል ሶሉሽናት ምስ ኣግልጋሎት ኮኔክቲቪቲ ካብ ምስራሕ ብዝዘለለ ንሕብረተሰብ ኩለመዳያዊ ለውጢ ኢኮኖሚ ተረባሕነቶም ዕዙዝ እዩ፡፡ ኢትዮ ቴሌኮም ጉዕዞ ዲጂታል ትርንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍን ሓቋፋይ ፋይናንስ ንምርግጋፅን ዘኽእሉ ሰፋሕቲ ዲጂታል ሶሉሽናት ኣብ ምቕራብ ከምዝርከብ እውን ኣልዒለን፡፡ ኣሰራርሓ ትካላት ዘዝምኑ ንዓማዊል ብልዑል ብርኪ ግልጋሎት ምቕራብ ዘኽእሉ ብክላውድ ሶሉሽን ዝተሓገዙ ሸውዓተ ኢንተርፕራይዝ ሶሉሽናት ዕላዊ ተገይሮም፡፡ ካብኣቶም ኢንተርፕራይዝ ሶሉሽናት ዲጂታል ላይቭስቶክ ትራኪንግ፣ ቴሌ ፑሽ-ቱ-ቶክ/ቪዲዮ፣ ሶሉሽን ኮር ባንኪንግ፣ ሶሉሽን ኣሰራርሓ ስርዓት ትምህርቲ፣ ሶሉሽን ሓደ ቢሮ ምትሕብባርን ኣፍራይነትን፣ ቴሌ ኮንታክት ሴንተርን ኢ.ኣር.ፒ ሶሉሽናትንን ዝተበሃሉ ከምዝኾኑ ተዛሪበን፡፡
ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ መሰረት ዘንብሩ ናፃ፣ ዘይሻራዊን ብቕዓት ዘለዎምን ትካላት ናይ ምህናፅ ከይዲ ብርክት ዝበሉ ምዕባለታት አመዝጊቦም- ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)
Feb 25, 2025 44
ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/18/ 2017 /ኢዜአ/ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ መሰረት ዘንብሩ ናፃ፣ ዘይሻራዊን ብቕዓት ዘለዎምን ትካላት ናይ ምህናፅ ከይዲ ብርክት ዝበሉ ምዕባለታት አመዝጊቦም እዮም ክብሉዋና ዳይሬክተር ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ገሊፆም ። ቴክኖሎጂ ንህዝብና መፍትሒ ፀገምን መቀላጠፊ ዕቤትናን ንምግባር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ መሰረት ዘንብሩ ናፃ፣ ዘይሻራዊን ብቕዓት ዘለዎምን ትካላት ናይ ምህናፅ ከይዲ ብዙሓት ውፅኢታት ከምዘመዝገቡ እቶም ዋና ዳይሬክተር ሓቢሮም። “ኣብ ከይዲ ህንፀት ትካላት ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ካብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ነባር ትካላት ኣሰራርሐኦምን ኣገልግሎቶምን ምዝማን ከምኡ እውን ሓደሽቲ ትካላት ምህናፅን ብዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ናይ ምጥንኻርን ስራሕ ብትኹረት ብምስራሕ ውፅኢታት ተመዝጊቦም” ኢሎም። ካብ ጉባኤ ክሳብ ጉባኤ ኣብ ዘሎ ግዘ ካብ ሞንጎ ዝተጣየሹ ሓደሽቲ ትካላት ሓደ ዝኾነ ኢንስቲትዩት ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ÷ ንህዝቢን ሃገርን ዝጠቕሙ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣመልኪቶም። ዓበይቲ ሃገራት እናተወዳደራሉ ዝርከባ ናይ ቀፃሊ ግዘ ነዳዲ እናተብሃለ ዝንገረሉ መኽዚን ዳታ ኣብ ምህናፅ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ 30 ትካላት ኣብ ስራሕ ከምዝወዓለ ብምግላፅ÷ “እቲ መኽዚን ዳታ ንዝቕፅል ወለዶ እነውርሶ፤ ሐዚ ንዘሎ ወለዶ ተጠቒሙ ፀገም ዝፈትሐሉ ኢዩ” ክብሉ ምግላፆም ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና የመላኽት።
ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ብምርምር ዝረኸቦም 4 ሓደሽቲ ዓሌታት ዝራእቲ ዕላዊ ገይሩ
Feb 24, 2025 50
ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/17/ 2017 /ኢዜአ/ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ክልል ትግራይ ብምርምር ዝረኸቦም ኣርባዕተ ሓደሽቲ ዓሌታት ዝራእቲ ዕላዊ ገይሩ። እቲ ኢንስቲትዩት ብምርምር ኣብ ዘውፀኦም 4 ሓደሽቲ ዓሌታት ዝራእቲ ስነ ስርዓት ምፍላጥ ኣካይዱ አሎ። ዳሪክተር ዝራእቲ ምርምር ሕርሻ እቲ ክልል ይርጋኣለም ፀሃየ (ዶ/ር) ኣርባዕተ ሓደሽቲ ዓሌታት ዝራእቲ ማለት እውን ሱፍ፣ ስርናይ፣ ከምኡ እውን ፀሊምን ፃዕዳን ኣውሱዳን ብምርምር ከም ዝወፁ ብምግላፅ፤ “እዞም ዓሌታት ብምብዛሕ ሓረስታይ ተረባሒ ክከውን ኣለዎ” ኢሎም። ዋና ዳሪክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ገብረኣምላኽ በዛብህ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ፍርያትን መፍረያይነትን ሕርሻ ትግራይ ንምዕባይን ንምዝማን ብምርምር ዝተሓገዙ ስራሕቲ ምስራሕ ግዜ ዘይህብ ጉዳይ ከምዝኾነ ገሊፆም። እቲ ትካል ግዚኡ ዝጠልቦ ምርምር ብምግባር ድኽነት ንምውጋድ ከምዝሰርሕ እውን ሓቢሮም። ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኢያሱ ኣብራሃ (ዶ/ር)፤ በቲ ኢንስቲትዩት ዕላዊ ዝኾኑ ኣርባዕተ ዓሌታት ዝራእቲ ሐረስታይ ትግራይ ከተኣታትዎምን ተረባሕነቱ ከረጋግፅን ከምዝገብሩ ገሊፆም። “ኣብ ስግግርን ዳግመ ሕውየትን ሕርሻ ትግራይ ለውጢ ንምምፃእን ዘላቂ ልምዓት ንምርግጋፅን ስራሕቲ ምርምር ልዑል ግደ ኣለዎ” እውን ኢሎም።
አውሮፕላን ፀሃይ -2 ፈላሚ ፈተነ በረራአ ዕውት ብዝኾነ አገባብ ዛዚማ
Feb 21, 2025 57
አዲስ አበባ/ለካቲት /14/2017(ኢዜአ)አብ ቐፅሪ ሓይሊ አየር ኢፌዴሪኢ ዝተሰርሓት አውሪፐላን ፀሃይ - 2 ፈላሚ ፈተነ በረራአ ብዓወት ምዝዛማ ምኸትል አዛዚ ሓይሊ አየር ማእከል ከቢድ ፅገና ኮሎኔል መሰረት ጌታቸው ገሊፆም። አውሮፕላን ፀሃይ -2 ንመሰልጠኒ በረራን ንካልዖት አገልግሎታት ምውዓል እትኸእል ምኹና ዘፍለጡ ኮሎኔል መሰረት ጌታቸው ንዝተውሃባ መደብ ብብቐዓት ክትፈፅም ዘኸእላ ናይ እዚ ዘመን አቭዬሽን ቴክኖሎጂ ከምትዓጠቐት ሓቢሮም።
ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ኣጀንዳ 2063 ዘዕዉቱን ቑጠባዊ ዕብየት ዘመዝግቡን መፅናዕትታትን ምርምራትን እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ
Feb 17, 2025 81
አዲስ አበባ/የካቲት/10/2017/ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ኣጀንዳ 2063 ዘዕዉቱን ቑጠባዊ ዕብየት ዘመዝግቡን መፅናዕትታትን ምርምራትን እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን 9ይ ዓለም ለኻዊ ዓመታዊ ጉባኤ መፅናዕትን ምርምርን እናሳለጠ ይርከብ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ መደረ ዝገበሩ ፕሬዝዳንት ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ደረጀ እንግዳ(ዶ/ር)፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንሃገር ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዘምፅኡ መፅናዕትን ምርምራትን እናሰርሐ ይርከብ፤ እናሰርሖም ዝርከቡ ርኽበታት መፅናዕቲ ፀገም እናፈትሑ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት እናምፅኡ 'ዮም። እቲ ዩኒቨርሲቲ ንዘፈር ኢንዱስትሪ ብመፅናዕትን ምርምርን ብምድጋፍ ንኢኮኖሚያዊ ዕብየት ሃገር ግደኡ እናተዋፅአ 'ዩ ኢሎም። እቲ ጉባኤ ልውውጥ ፍልጠትን ልምድን ዝግበረሉን ፀገም ዝፈትሑ መፅናዕትታት ንኽስርሑ ዘተባብዕ 'ዩ። መፅናዕቲ ፀገም ዝፈትሕ፣ ኢኮኖሚ ሃገር ዘዕብይ፣ ዓለም ለኻዊ ተወዳዳራይነት ዘጠናኽርን 'ዩ፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ 'ውን ምችው ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዘምፅኡን ኣጀንዳ 2063 ዘዐውቱን መፅናዕትታት እናሰርሐ 'ዩ ኢሎም።