ሳይንስን ቴክኖሎጅን
ኢትዮ ቴሌኮም ኣብዚ ፍርቂ ዓመት ልዕሊ 4 ነጥቢ 9 ቢልዮን ብር ብቴሌ ብር ዝተሓገዘ ልቓሕ ንዓማዊሉ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ
Jan 29, 2024 43
  ድሬዳዋ/ጥሪ 20/2016 (ኢዜኣ) ኢትዮ ቴሌኮም ኣብዚ ፍርቂ ዓመት ንከባቢ 1 ነጥቢ 3 ሚልዮን ዓማዊሉ ልዕሊ 4 ነጥቢ 9 ቢልዮን ብር ብቴሌ ብር ዝተሓገዘ ልቓሕ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ። ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኣብ ድሬዳዋ ፈጣን ኢንተርኔት ሞባይል(5G) ኣብ ዘጀመራሉ መርሃ ግብሪ፤ ዲጂታል ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር እናተሳለጡ ዝርከቡ ስራሕቲ ኣብራህሪሀን። ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ኣገልግሎት ፋይናንስ ተበፃሕን ሓቛፍን ንምግባር ኣገልግሎት 'ሞባይል መኒ' ብቴሌ ብር ከምዘጀመረ ገሊፀን። ኣብዘን ዓመታት እዚአን 1 ነጥቢ 7 ትሪሊዮን ብር ብኣገልግሎት ሞባይል መኒ ብቴሌ ብር ንክዘዋወር ከምዝተገበረ ብምሕባር ብመዓልቲ ብማእኸላይ 5 ቢልዮን ብር ብቴሌ ብር ኣገልግሎት ሞባይል መኒ ከምዝዘዋወር ሓቢረን። ኢትዮ ቴሌኮም ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅን ተግባራዊ ምግባርን፣ተበፃሕነትን ሓቛፍነትን ፋይናንስ ኣብ ምዕባይ፣ትካላት ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንክህቡ ኣብ ምግባር መሰረታዊ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ምዃኑ ተዛሪበን። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ን3 ነጥቢ 7 ሚልዮን ዓማዊል ቴሌ ብር 8 ነጥቢ 1 ቢልዮን ብር ልቓሕ ከምዝሃበ እውን ኣረዲአን። ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ዓመት ሎሚ ዘበን ድማ ንከባቢ 1 ነጥቢ 3 ሚልዮን ዓማዊሉ ልዕሊ 4 ነጥቢ 9 ቢልዮን ብር ብቴሌ ብር ዝተሓገዘ ልቓሕ ፋይናንስ ብምሃብ ፀገማት ተበፃሕነትን ሓቛፊነትን ፋይናንስ ኣብ ምፍታሕ ዝተባብዑ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ገሊፀን። ኣብ ዓለም ኣገልግሎት ሞባይል መኒ ብቴሌ ብር ካብ ዝጅመር 22 ዓመታት ከምዝገበረ ብምግላፅ፤ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ውሽጢ 3 ዓመታት 41 ሚልዮን ዓማዊል ብምፍራይን ብዝህቦም ኣገልግሎታትን ብብርኪ ዓለም ተሸላሚ ወርቂ ከምዝኾነ ሓቢረን። ካብ ዝጣየሽ 127 ዓመታት ዘቑፀረን ኣብዚ ሕዚ እዋን 74 ነጥቢ 6 ሚልዮን ዓማዊል ዘፍረየን ኢትዮ ቴሌኮም፤ ብበዝሒ ዓማዊል ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለው 195 ኩባንያታት ቴሌ ካልኣይ እንትኸውን ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ 774 ኩባንያታት ድማ ኣብ መበል 19 ብርኪ ከምዝርከብ ኢትዮ ቴሌኮም ኣፍሊጡ።
 ናብራ ንኽቃለስ ኣብ ምልሓም ሓጺን ዝተዋፈረ ፕሮፌሰር
Jan 29, 2024 44
ከቢር ኣቡቢላል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝምህር ፕሮፌሰር ጥራይ ኣይኰነን፤ ኣብ ዛርያ - ሰሜናዊት ከተማ ናይጀርያ ኣብ ምልሓም ሓጺን ዝወፈረሉ ካልኣይ ስራሕ ኣለዎ። ምልሓም ሓጺን ኣብ ናይጀርያ ከም ትሑት ስራሕ እዩ ዝርአ። ፕሮፌሰር ካቢር ግን ናይ ባዕሉ ትካል ምልሓም ሓጺን ምኽፋቱ ንብዙሓት ብፍላይ ድማ ንመሳርሕቱ ኣሰንቢድዎም ኣሎ። ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት "ፕሮፌሰር ኰይነ ነዚ ስራሕ ብምስርሐይ ኣይሓፍርን እየ። ካብ ምልሓም ሓጺን ዝያዳ ገንዘብ እረክብ" ክብል ተዛሪቡ። ወዲ 50 ዓመት ካርቢ ኣቡቢላል፡ ኣብ ናይጀርያ እቲ ዝዓበየን ካብ ዝኸበሩን ዩኒቨርሲቲታት ሓደ ኣብ ዝዀነ ዩኒቨርሲቲ ኣሕማዱ ቤሎ - ፋካልቲ ምህንድስና ይምህርን ተምሃሮ ዝሰርሕዎም መጽናዕቲታት ይቈጻጸርን። ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ን18 ዓመታት ዝሰርሐ ኰይኑ ኣብ ፊዚክስን ኤሌክትሪካል ኢንጅነሪንን ዘተኰሩ ብዙሓት መጻሕፍቲ’ውን ኣሕቲሙ። ብጻዩ ዝዀነ ፕሮፌሰር ዩሱፍ ጅብሪል፡ ንመሳርሕቶም ዝገርም ኰይኑ ከም ዝረኽብዎ ብምግላጽ፡ "ሕብረተሰብና ሓደ ሓደ ሰባት ገሊኡ ዓይነት ስራሕ ዘይግብኦም ኮይኑ ክስምዓና እዩ ገይሩና፤ እዚ ግን ሓቂ ኣይኮነን" ኢሉ። "እዚ ዝገብሮ ዘሎ ዘዋርድ ዘይኮነስ ዝነኣድ'ዩ። ካልኦት ድማ ካብኡ ክመሃሩ ተስፋ እገብር" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ካብ ምውህሃድ ዝረኽቦ ኣታዊ፡ እቲ ፕሮፌሰር መርሰድስ-በንዝ ክገዝእ ኣኽኢልዎ። ፕሮፌሰር ካቢር ኣቡቢላል ሰባት ብፍላይ ድማ ሓደስቲ ተመረቕቲ መነባብሮኦም ብኸመይ ክመርሑ ከምዘለዎም ዝያዳ ክፉት ዝኾነ ኣተሓሳስባ ክህልዎም ከምዘለዎ ይዛረብ። "ትምህርቲ ንዝዀነ ሰብ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ካብ ምስራሕ ክዓግቶ የብሉን። ቀዳማይ ዲግሪ ሒዞም ከምዚ ዓይነት ስራሕ ዘዋርድ ኮይኑ ዝስምዖም ሰባት ምህላዎም ይገርመኒ" ይብል። እዚ ሓሳቡ ጭብጢ ኣለዎ። ስቱተርን ዝተብሃለ ጸብጻብ ምሩቓት ናይጀርያ ዘዳሉ ትካል ከምዘመልክቶ፡ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ተመረቕቲ እታ ሃገር ስራሕ ዝረኽቡ ኣይኰኑን። ፕሮፌሰር ካቢር ኣቡቢላል ቅድሚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቢሉ እዩ ኣብ ከተማ ዛርያ ንእሽቶ ትካል ሓጺነ መጺን ከፊቱ። ናብ መዓርግ ፕሮፌሰርነት ካብ ዝዓቢ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ 2022 ከኣ ኣብታ ዩኒቨርሲቲ ዝርከበላ ከተማ ብዙሕ ዕድላት ስራሕ ብምርካቡ ንትካሉ ከዕብዮ ክኢሉ። እዚ ድማ ዝያዳ መሳርሒታት ክገዝእን ዝዓበየ ዕድል ስራሕ ክፈጥርን ኣኽኢልዎ። ዓማዊል እናመጽኡ ከም ብሓጺን ዝተሰርሐ ፍሬም ማዕጾን መስኮትን ዝኣመሰሉ ነገራት ክሰርሓሎም ይሓትዎ። "እቲ ስራሕ ዋላ ንእሽቶ ይዅን ብዘየገድስ እቕበሎ፤ ዋላ ሓደ ማዕጾ ይዅን ኣታዊ ንምርካብ ኢለ ብሓጎስ ተቐቢለ እሰርሖ" ይብል። እቲ ፕሮፌሰር፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ከም ራድዮ ዝኣመሰሉ ነገራት ምፍታሕን ዳግማይ ምጽጋንን ከም ዝፈቱ፡ እዚ ድማ ናብቲ ሞያኡ ከም ዝሰሓቦ ይዛረብ። "እቲ ዘሕዝን ግን ኣብዚ [ኣብ ዩኒቨርሲቲ] ዘሎ ምህንድስና ዝያዳ ኣብ ክልሰ-ሓሳብ ዝተመርኮሰ ኰይኑ ረኺበዮ፤ ስለዝዀነ ክእለተይ ዝገልጸሉ ቦታ የድልየኒ ነይሩ" ክብል ይዛረብ። ኣስዒቡ፡ "እዚ ድሌተይ ከኣ ነዚ ትካል ምልሓም ሓጺን ንምጅማር ኣበጊሱኒ" ኢሉ። ፋይናንሳዊ ዓቕሙ ኣብ ምድላው ከኣ ሓጊዝዎ። ኣብ ናይጀርያ ዝርከቡ ምሁራት ብሰንኪ ዝኽፈሎም ትሑት ደሞዝ ምስ ናብራ እዮም ዝቃለሱ። መብዛሕትኦም ኣብ ወርሒ ካብ 350 ሽሕ ናይራ ($390፤ £305) ክሳብ 500,000 ናይራ ($555፤ £435) ይረኽቡ። ብዙሕ ግዜ ድማ ወሰኽ ደሞዝ ንምርካብ ምስ መንግስቲ ይጓነጹ። ፕሮፌሰር ካቢር ኣቡቢላል፡ እቲ ሓጺን ናይ ምልሓም ስርሑ ዝሓሸ መነባብሮ ክመርሕ ዋላ'ውን ዝሓሸት ዝበላ ዓይነት መኪና - መርሰድስ - ክገዝእ ከም ዝኸኣሎ ይዛረብ። ነቶም ኣብ ተደራቢ ሞያኡ ዘባጭዉ ዝነበሩ እውን ከይተረፈ ይሕግዝ’ዩ። "ኣብ 2022 መምህራን ዩኒቨርሲቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ኣድማ ምስ ገበሩ ደሞዝ ኣይተኸፈልናን። ኣነ ግን ብሳላ እዚ ስራሕ ገንዘብ ነይሩኒ፤ ሽዑ ገለ መሳርሕተይ ሓገዝ ክሓቱኒ ይመጽኡ ነይሮም" ክብል የረድእ። ካልኦት ሰባት ኣብ ከምቲ ናቱ ዓይነት ስራሕ ንኽወፍሩ ከም ዘነቓቕሖም ተስፋ ኣለዎ። ኣብ ትካሉ ክእለት ናይቲ ሞያ ዝምህሮም ካብ 12 ክሳብ 20 ዓመት ዝዕድመኦም 10 ተለማመድቲ ኣለዉዎ። እቲ ስልጠና ኣስታት ሓደ ዓመት ዝወስድ ኰይኑ፡ ድሕሪኡ ክእለት ምስ ረኸቡ ወጺኦም ናይ ገዛእ ርእሶም ትካል ከቝሙ ይኽእሉ። ወዲ 18 ዓመት ጅብሪል ኣዳም "ኣብቲ ስራሕ ብምውዓለይ ብዙሕ ተማሂረ እየ። ብዙሓት ናውቲ ክሰርሕ እኽእል" ይብል። ወሲኹ፡ "ዋላ ከም ተለማማዲ ወርሓዊ 10 ሽሕ ናይራ መሃያ ከምኡ’ውን መዓልታዊ ንመግቢ ዝኸውን ገንዘብ ይህበና" ክብል ተዛሪቡ። ሓሙሽተ ደቁ’ውን ኣብቲ ትካል መጺኦም ስራሕ ክለምዱ ይገብር። "መብዛሕትኡ እዋን ኣብ መዛዘሚ ሰሙን ከመይ ከም ዝስራሕ ንኽርእዩ ናብዚ የምጽኦም። ኣብ ዝዀነ እዋን ንኽሰርሕዎ ምእንቲ ክመሃርዎ እደሊ" ይብል እቲ ፕሮፌሰር።ከም ፀብፃብ ቢቢሲ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት  ዑደት ኣሳሊጦም
Jan 28, 2024 44
  ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/19/ 2016 /ኢዜአ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ኣብ ኢንዱስትሪ ሚዲያ ኢትዮጵያ ብኹሉ ዓውዲ ፈላማይን ተመራፂን ንምዃን ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ንምርአይ ዑደት ኣሳሊጦም። ናብ ሓላፍነት ካብ ዝመፅኡ ጀሚሩ በቢትካሉ እናተረኸቡ ስራሕቲ ዝግምግሙ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘሎ ስራሕቲ ምስፋሕ ርእዮም። ፕሮግራማት ምህዳስን ኣሳታፊ መድረኽ ንከተኣናግድ ተሓሲቡ ዝተሃነፀ ሓዱሽ ስቲዲዮ ተወሳኺ ጥንካረ ዝህብ ኢዩ ኢሎም። መንግስቶም ስኑዕ ሓበሬታ እብ ምክልኻልን ዘስዕቦ ጉድኣት ብምርዳእን ቀዳምነት ብምሃብ ሪፎርም ካብ ዝገበረሎም ዓውዲታት ሓደ ሚዲያ ከምዝኾነ ገሊፆም። ብመሰረት እዚ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ብመሰረት ዝተሰርሐ ስራሕ ምፅናዕ ዘኽእል ተግባር ተጀመሩ ኢዩ። እዚ እናተጠናኸረ እንትኸይድ ኣፍረስቲ ሓሳባት ስፍራ እናሰኣኑን እናቃሓሙን ክኸዱ ኢዮም ኢሎም። ኣብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኣብ ሓዱሽ ስቲዲዮ ክሳብ ነባር ክፍሊታት ስራሕ ተዘዋዊሮም ዝረኣዩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብዝረአይዎ ኣዝዮም ምሕጓሶም ገሊፆም።
ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ዘኽእሉ ንጥፈታት እናተሰርሑ 'ዮም- ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን
Jan 19, 2024 50
  አዲስ አበባ/ጥሪ/10/2016/ኢዜአ/ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ጋህዲ ንምግባር መሰረተ ልምዓት ምስፍሕፋሕን መንግስታዊ ትካላት ልምዓት ንውልቃዊ ዘፈር ክፉት ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ገሊፁ። ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ዶክተር በለጠ ሞላ ምንቅስቓስ ስራሕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ ትካል ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ካብ መንጎ ሓሙሽቲኦም ዓምድታት ብዝሃ ዘፈር ኢኮኖሚያዊ ዕብየት እቲ ሓደ ዘፈር ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ብምዃኑ ነዚ ዘመን ንዝምጥን ቕልጡፍ ስግግር ቴክኖሎጅን ፍልጠትን ወሳኒ ምዃኑ ተኣሚኑሉ እናተሰርሐ 'ዩ። ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ጋህዲ ንምግባር ንህንፀት መሰረተ ልምዓት ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጂ (ኣይ ሲ ቲ) ዝለዓለ ጠመተ ተዋሂቡ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም። በዚ 'ውን ቑፅሪ ተጠቀምቲ ብሮድባንድ ኢንተርኔት ልዕሊ 35 ሚሊዮን ከምኡ 'ውን ቑፅሪ ተጠቀምቲ ስልኪ ሞባይል ልዕሊ 73 ሚሊዮን ምብፅሑ ተዛሪቦም።እዚ 'ውን ውፅኢት መንግስቲ ኣብቲ ዘፈር መሰረተ ልምዓት ንምስፍሕፋሕ ዝሃቦ ልዑል ጠመተ ምዃኑ ሓቢሮም። ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ዕላዊ ንክኸውን መሰረት ዘንብሩ ንጥፈታት እናተሰርሑ ምዃኖም ዶክተር በለጠ ኣመላኺቶም ።
ኣብ ምንቅስቓስ ዲጂታል ዲፕሎማሲ ካብ ፃዕሪ ዲፕሎማት ብተወሳኺ ኩሎም ዜጋታት ኣምባሳደር ሃገሮም ክኾኑ ኣለዎም
Jan 18, 2024 50
  ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ 9/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ምንቅስቓስ ዲጂታል ዲፕሎማሲ ካብ ፃዕሪ ዲፕሎማት ብተወሳኺ ኩሎም ዜጋታት ኣምባሳደር ሃገሮም ክኾኑ ኣለዎም ክብሉ ላዕለዋይ ተመራማሪ ኢንሰቲትዩት ጉዳይ ወፃእን ጄኔራል ዳይሬክተር ፓስፊክ እስያን ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዶክተር ኣንተነህ ጌታቸው ገሊፆም። ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ ኣፍ ደገ ባሕሪ ትልሚ ሂብካ ምቕባልን ብሓባር ምልማዕን ስለዝኾነ ኩሉ ክድግፎ ይግባእ እውን ኢሎም። ዲፕሎማሲ ሃገራት ኣብ ዓለም ኣብ ዝተፈላለዩ መማረፅታት ምትሕብባርን ሓባራዊ ተረባሕነትን ክውን ንምግባር ሰፊሕ ምንቅስቓስ ዝገብራሉ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕቲ ዲጂታል ዲፕሎማሲ ተስፋሕፊሑ ወፃኢ ዝቑጥብን ኣሳታፍን ኮይኑ ብቕልጡፍን ብቐሊሉን ተበፃሒ ምዃን ዝተኽኣለሉ ግዜ እዩ። ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ላዕለዋይ ተመራማሪ ኢንሰቲትዩት ጉዳይ ወፃእን ጄኔራል ዳይሬክተር ፓስፊክ እስያን ዶክተር ኣንተነህ ጌታቸው ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዲጂታል ዲፕሎማሲ ብጣዕሚ ኣድላይ ምዃኑ ገሊፆም። ዲፕሎማሲ ካብቲ ስሩዕ ፃዕሪ መንግስቲ ብተወሳኺ ዜታት ብምስታፍ ብዛዕባ ረብሓ ሃገሮም ዝሰርሕሉ ምችው መማረፂ ስለዝኾነ ኣብ ዓለም ብፍሉይ ትኹረት እናተሰርሐሉ ይርከብ ኢሎም። ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ተረባሕነት ዝተመስረተ ዞባዊ ምትእስሳርን ልምዓትን ክውን ንምግባር እትገብሮ ፃዕሪ ዝነኣድ ምዃኑ እውን ሓቢሮም። ኣብዚ እዋን ዘበነ ዲጂታል ኩሎም ዜጋታት ዲፕሎማት ሃገሮም ብምዃን ንክብሪ ሃገሮምን ብሄራዊ ረብሓን ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ከምዘለዎም ኣረዲኦም። እቲ ስምምዕ ብተፃራሪ መንገዲ ብምርዳእን ብምውሳድን ሕቶ ልኣለውነት ገይሮም ዝሓስቡ ኣካላት ፍፁም ስሕተት ምዃኖም ተረዲኦም ነቲ ልምዓት ሓገዝቲ ንክኾኑ ኣተሓሳሲቦም።
ግልጋሎት ጉዕዞ ዓማዊላት ኣብ ሓደ ቦታ ንምርካብ ዘኽእል መተግበሪ ግልጋሎት ኦንላይን  ስራሕ ጀሚሩ
Jan 17, 2024 49
  አዲስ አበባ/ጥሪ/8/2016/ኢዜአ/ዛጎል ኣብ ኢትዮጵያን ብብርኪ ዓለም ለኸን ንዘለዉ ዓማዊላት ጉዕዞ ኣውሮፕላን ብኦንላይን ንምስትእንጋድ ዘኽእል ቀሊልን ምችውን ግልጋሎት ዝህብ መተግበሪ ኦንላይን ብዕሊ ስራሕ ኣጀሚሩ። ኣብቲ ፕሮግራም ዝተረኸቡ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ዶክተር በለጠ ሞላ ኣብ ኢትዮጵያ ህይወት ዜጋታት ዝቐለለ ንክኸውን ስራሕቲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂ፣ ምርምርን ምህዞን ብምጥንኻር ኣብ ሓደ ጉዳይ ብዙሓት መማረፅታት ብምፍጣር ተወዳዳራይ ብምዃን ንዲጂታል ኢኮኖሚ ምድጋፍ ከምዝከኣል ኣረዲኦም። መንግስቲ ንውልቃዊ ዘፈር ዝሕግዙ ዘበረታትዑ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ብምውፃእን ኣፈፃፅማ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ዝሓሸ ኸይዲ ስራሕ ዝፍፀመሉን ብምቕራፅ ኣብ ስራሕ ክውዕል ብምግባሩ ለውጥታት እናተርኣዩ ምዃኖም ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ ነቲ ዝተሰርሐ ስራሕ ብምድናቕ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኾነስ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ውሽጢ ተወዳዳርቲ ኾይኖም ንሃገሮም ሰፊሕ ዕድል ንከርክቡን ፃዕሮም ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉን መልእኽቲ ሓደራ ኣመሓላሊፎም።
ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዝመርሖ ልምዓት ምርግጋፅ ጉዳይ ህልውና ሃገር ኢዩ- በለጠ ሞላ (ዶ/ር)
Jan 15, 2024 67
ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ /6/2016 /ኢዜአ/ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዝመርሖ ልምዓት ምርግጋፅ ጉዳይ ህልውና ሃገር ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር፥ ተግባር እቶም ሚኒስቴር ከምኡ ውን ትሕዝቶ፣ ፖሊሲታት፣ ኣብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ስትራቴጂ ጠመተታትን ናይቲ ትካል ወፍሪታትን ዝጠመተ ንሓለፍቲ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ኣምባሳደራት፣ ቆንስላ ጄነራላትን ኣብ ዝተሰናደአ መድረኽ ዘተ መብርሂ ሂቦም። ፖሊሲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ብምትግባር ካብ ዲፕሎማሲታትና እንታይ ጉዳያት ትፅቢት ከምዝግበሩ ኣረዲኦም። ልኡኽ እቲ ፖሊሲ ምስ ምፍጣር ዕድል ስራሕን ሃገራዊ ፍሪያትን ዘለዎ ብፅሒት ክብ ምባል ኢዩ ኢሎም። ምትሕብባርን ዝምድናን እቲ ትካል ብምጥንኻር ሃገራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ሽርክናን ተረባሕነትን ምዕባይ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ብድምር ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽን ዝመርሖ ልምዓት ምርግጋፅ ጉዳይ ህልውና ሃገር ኢዩ ምባሎም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ልምዓት ዳታ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ቁልፊ መሳርሒ ብምዃኑ ብምትሕብባር ክስራሕ ይግባእ-በለጠ ሞላ (ዶ/ር)
Jan 12, 2024 51
  ኣዲስ ኣበባ/ ጥር/3/ 2016 /ኢዜአ/ልምዓት ዳታ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ቁልፊ መሳርሒ ብምዃኑ ብምትሕብባርን ብምርብራብን ክስራሐሉ ዝግባእ ገዚፍ ሃፍቲ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር ልምዓትን ምምሕዳርን ረቂቕ መምርሒ ዳታ ብዝምልከት መዳርግቲ ኣካላት፣ ኣመራርሓን ተወከልቲን ኣብ ዝተረኸብሉ ምስ ክፍሊ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲዮም። በለጠ ሞላ (ዶ/ር )፥ ሀንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ካብ ልምዓት ዳታ ወፃእ ዝሕሰብ ኣይኮነን ኢሎም። ስለዝኾነ ልምዓት ዳታ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ቁልፊ መሳርሒ ብምዃኑ ብምትሕብባር ክስራሕ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም። ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ናይ ምትሕብባር ሓላፍነት እንተወሰደ እውን ዕውትነቱ ግን ኩለን መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ብምውዳድ ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም። ተወካሊ ክፍሊ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዋይ ሚን ክዎክ ብግደኦም፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልምዓትን ምምሕዳርን ዳታ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ንኢዶም። ኣብ ቀፃሊ ብምትሕብባር ዝስርሑ ስራሕቲ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ክብሉ እውን ገሊፆም።
ዓውዲ መዓድን ብቴክኖሎጂ ንምድጋፍ ምስ መንግስቲ ቼክ ሪፐብሊክ ብሓባር እናተሰርሐ እዩ - ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኘ
Jan 10, 2024 54
  ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/1/ 2016 /ኢዜአ/ዓውዲ መዓድን ብቴክኖሎጂ ንምድጋፍ ምስ መንግስቲ ቼክ ሪፐብሊክ ብሓባር እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኘ (ኢ/ር) ገሊፆም፡፡ ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኘ (ኢ/ር) ምስ ኣምባሳደር ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ሚሮስላቭ ኮሴክ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ሃፍቲ መዓድን ኢትዮጵያ ንዘላቒ ልምዓት ንምውዓል ብዳህሳስ ስነ-ምድሪን መፅናዕትን ንምዕባይ ብሓባር ከምዝሰርሑ ተዘራሪቦም። ዓውዲ መዓድን ብቴክኖሎጂ ንምዝማንን ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ንምትግባርን ብሓባር ከምዝሰርሓ ምርግጋፆም እውን ተገሊፁ፡፡ ኣምባሳደር ሚሮስላቭ ኮሴክ ከምዝገለፁዎ፥ ሃገሮም ምስቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕን ተሞክሮኣ ንምክፋልን ድልውቲ ኢያ፡፡ ሰብ ሞያ ቼክ ሪፐብሊክ ምስ ጂኦሎጂካል ኢንስቲትዩት ኢትዮጵያ ኣብ ዳህሳስ መዓድንን ምርምርን ብሓባር ከምዝሰርሑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ሁዋዌ ኢትዮጵያን ብሓባር ኣብ ዝሰርሑዎም ጉዳያት ኣድሂቦም ዘቲዮም
Jan 10, 2024 58
ኣዲስ ኣበባ /ጥሪ/1/ 2016 /ኢዜአ/ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ሁዋዌ ኢትዮጵያን ኣብ ስራሕቲ ኣናእሽተይ ቀረባት ሓይሊ ዘቀላጥፉ ቴክኖሎጂታትን ብዝምልከት ብሓባር ኣብ ዝሰርሑዎም ጉዳያት ኣድሂቦም ዘቲዮም። ሁዋዌ ግልጋሎታት ቴክኖሎጂ ዲጂታል ፓዎር ኣብ ምቐራብ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ልምዲን ተሞክሮን ኣብ ኢትዮጵያ ንምስፋሕ ዘለዎ ድልውነት ኣመልኪቱ ሰብ ሞያ እቲ ትካል ገለፃ ገይሮም፡፡ ግልጋሎታት ቴክኖሎጂ ዲጂታል ፓዎር ሁዋዌ ኣብ ምስፋሕ ከፋልጥ ዝኽእል፣ ትካላት ዘፈር፣ ክልላትን ኣቕረብቲ ቴክኖሎጂ ኢነርጂ ውልቀ ትካላትን ዘሳትፍ ዓውደ ምርኢት ኣብ ወርሒ መጋቢት ከምዝሰናዳእ ተገሊፁ፡፡ እቲ ዓውደ ምርኢት ብምትሕብባር ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ሁዋዌ ኢትዮጵያን ዝካየድ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡ ሁዋዌ ኢትዮጵያ ንዕዳጋ ዘቕርቦምን ኣናእሽቲ ቀረባት ሓይሊን ዘቀላጥፉ ቴክኖሎጂታት፣ ንመንበሪ ውልቀሰብ፣ ካብ ዋና መስመር ኤሌክትሪክ ርሒቖም ንዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብን ንቢዝነስ ትካላትን ግልጋሎት ዝህቡ ሓደሽቲ ቀረባት ሓይሊ ኣማራፂ ቴክኖሎጂታት ዘፋልጥ እዩ ፡፡
ክልል ኣምሓራ ካብቲ ዝነበሮ ቅልውላው ኣብ ሓፂር እዋን ሙሉእ ብሙሉእ ነፃ ወፂኡ-ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ
Jan 5, 2024 49
  ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ/ 26/2016 (ኢዜኣ) ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ምስ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንሰብ ሞያታት ኮሚዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ዲጂታል ሚድያን ከይዲ ስራሕቲ ኮሚዩኒኬሽንን ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብኸመይ ምጥቃም ከምዝከኣል ብተግባር ዝተሓገዘ ስልጠና ሂቡ። ጄኔራል ዳይሬክተር ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣብቲ መርሃ ግብሪ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ክልል ኣምሓራ ካብቲ ዝነበሮ ቅልውላው ኣብ ሓፂር እዋን ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝወፀ ገሊፆም። ቀፃሊ እውን እቲ ክልል ዝተረጋግዐ ንክኸውን ሰብ ሞያታት ኮሚዩኒኬሽን ልዑል ኣስተዋፅኦ ስለዘለዎም ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ስራሕ ምስራሕ ውፅኢታዊ ከምዝገብሮም ኣረዲኦም። ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣይተ መሐመድ እድሪስ፤ እቲ ስልጠና ሰብ ሞያታት ኮሚዩኒኬሽን ብዝምጥን ቴክኖሎጂ እናተሓገዙ ሰላም፣ልምዓትን ሃገራዊ ብልፅግናን ተበፃሒ ንክገብሩ ዓቕሚ ከምዝፈጥረሎም ምግላፆም ካብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም