ስራሕቲ ምምዕባል ዓውዲ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ-ሚኒስትር በለጠ ሞላ(ዶ/ር)


 

ኣሶሳ/ግንቦት/ 20/2017 (ኢዜኣ) ስራሕቲ ምምዕባል ዓውዲ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን በለጠ ሞላ(/) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ብብርኪ ሃገር ስራሕ ዝጀመሩ 24 ክፍልታት መሳለጥቲ ስማርት ኮሙኒኬሽን ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተረኺቦም ሎሚ ኣጀሚሮም።

እቲ ዘጀመርዎ ክፍልታት ስማርት ኮሙኒኬሽን ኣብ 10 ትካላት ፌዴራል፣ኩሎም ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን በለጠ ሞላ(/) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ብምምዕባል ዜጋታት ዝተቐላጠፈን ወጻኢ ቆጣብን ኣገልግሎት ንክረኽቡ ንምግባር እናተሰርሐ እዩ።

እቶም ክፍልታት ስማርት ኮሙኒኬሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝርከቡ ዝምልከቶም ኣካላት ብቐሊሉ ንክራኸቡን ስርሖም ንከሳልጡን ዘኽእሉ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ምጅማር ስራሕ እቶም ክፍልታት ስማርት ኮሙኒኬሽን ኢትዮጵ ንዝሓዘቶ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ መርኣያ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ዓውዲ ኣብ ኩለመዳያዊ ረብሓ ሃገር ዝህልዎ ኣስተዋጽኦ ንምዕባይ ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ፤ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ሚኒስቴርን እቲ ክልልን ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም