ኣብ 10 ትካላት ፌዴራል፣ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተሃነፁ ክፍልታት መሳለጢ ስማርት ኮሙኒኬሽን ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሮም



 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /20/2017 (ኢዜኣ) ኣብ 10 ትካላት ፌዴራል፣ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተሃነፁ ክፍልታት መሳለጢ ስማርት ኮሙኒኬሽን ኣገልግሎት ተመሪቖም ምሃብ ጀሚሮም።

እቶም ክፍልታት መሳለጢ ስማርት ኮሙኒኬሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝርከቡ ዝምልከቶም ኣካላት ብቐሊሉ ንክራኸቡን ስርሖም ንከሳልጡን ዘኽእሉ እዮም።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን በለጠ ሞላ(/) እቶም ሎሚ ስራሕ ዝጀመሩ ክፍልታት መሳለጢ ስማርት ኮሙኒኬሽን ነዚ ዘበን ዝምጥን ቴክኖሎጂ ዝተማልአሎምን ፅሬቱ ብዝሓለወ መንገዲ ዝተሃነፁን እዮም ኢሎም።

እቶም ማእኸላት ዝተቐላጠፈን ዝተማእኸለን ርክብ ስራሕ ከምዝፈጥሩ ብምሕባር፤ ብኣግባቡ ምጥቃምን ንነዊሕ እዋን ኣገልግሎት ንክህቡ እቶም መሰረተ ልምዓታት ምሕላውን ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወፍሪ ስራሕ ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጅን ነገሪ ሌንጮ(/) ብግደኦም፤ እቶም ክፍልታት መሳለጢ ስማርት ኮሙኒኬሽን ሓበሬታ ንምልውዋጥ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ዘለዎም እዮም ኢሎም።

ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህቢ ዝገብሩ መሰረተ ልምዓታት እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ዝገለፁ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ይሽሩን ኣለማየሁ(/) እቶም ክፍልታት መሳለጢ ስማርት ኮሙኒኬሽን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ፣ኣኼባታትን ስልጠናታትን ግዜን ወጻእን ብዝቑጥቡ መልክዑ ብቐሊሉ ምምራሕ ዘኽእሉ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ከምዝተዘርገሐሎም ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም