አብ 2017 ንብሄራዊ ስልጠና ሳይበር ምስታፍ ንእትደልዩ ሰብ ተሰጥኦ እስጋብ ግንቦት 24 ንኸትምዝገቡ ፃውዒት ቀሪቡ - ኢዜአ ትግርኛ
አብ 2017 ንብሄራዊ ስልጠና ሳይበር ምስታፍ ንእትደልዩ ሰብ ተሰጥኦ እስጋብ ግንቦት 24 ንኸትምዝገቡ ፃውዒት ቀሪቡ

አዲስ አበባ/ግንቦት/ 19/2017 (ኢዜአ)፦አብ 2017 ንብሄራዊ ስልጠና ሳይበር ምስታፍ ንእትደልዩ ሰብ ተሰጥኦ እስጋብ ግንቦት 24 ንኸትምዝገቡ ምምሕዳር ኢንፎርሜሽን መረብ ደሕንነት ኢንሳ ፃውዒት ኣቐሪቡ ኣሎ።
ኢንሳ ኣብ ዝሓለፊ ሰለስተ ተኸታተልቲ ዓመታት ብዓውዲ ሳይበር ድሕንነት ፍሉይ ተሰጥኦ ዘለዎም ሰገናት ብምስልጣን ናብ ትካሉን ካልኦት ሳይበር ኢንዱስትሪታትን ንክፅንበሩ ገይሩ ኢዩ።
ሎሚ ዘበን ድማ ንመበል ራብዓይ ዙር ኢትዮጵያ ካብ ቀዳማይ ደረጃ ተምሃሮ ክሳብ ተመረቕቲ ዩንቨርስቲ ፍሉይ ተሰጥኦ ዘለዎም ብምሕራይ ንምስልጣን ምድላው ከምዝተገበረ ዳይሬክተር ማእኸል ምርምር ሳይበር እቲ ትካል ቢሻው በየነ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ብሳይበር ድሕንነት፣ ኢምቤድድ ሲስተም፣ ኤሮስፔስን ተመሳሰልቲ ዓውዲታትን ፍሉይ ተሰጥኦን ባህግን ዘለዎም ብ www.talent.insa.gov.et ንክምዝገቡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሉእላውነት ሳይበር ሃገር ዘኽብሩ መናእሰይ ንምፍራይ እቲ ስልጠና ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ብፍላይ ስልጠና ኮደርስ 5 ሚሊየን ዝወሰዱ ሰገናት ተቐባልነቶም ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።