ኣተኣኻኻቢ ትረኻ ንምስራፅ ብዝተሰርሐ ስራሕ ውፅኢት ተመዝጊቡ እዩ




 

ወላይታ ሶዶ/ግንቦት /22/2017 (ኢዜኣ) ብመራኸብቲ ሓፋሽ ኣተኣኻኻቢ ትረኻ ንምስራፅ ብዝተሰርሐ ስራሕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ተዛሪቦም።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታዘበነ ድሕረ ሓቂ ብሓቅን ፍልጠትንኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኣመራርሓን ሰብ ሞያን ሚድያ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ስልጠና ኣብ ዝሃብሉ እዋን ከምዝበልዎ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ሓቂ ሒዞም ዘለዎም ፅልዋ ንምርግጋፅ ክሰርሑ ኣለዎም።

እዚ ዘበን ሓቂ ዝተፈተነሉን ስምዒት ኮርኮርቲ ዛዕባታት ጎሊሆም ዝረኣይሉን ስለዝኾነ ስኑዕ ሓበሬታታት ንምክልኻል ተወሳኺ ዓቕሚ ምፍጣር ኣድላይ እዩ ኢሎም።

ጠንካራ ኢኮኖሚ ዝሃነፀትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነታ ዝተሓለወትን ሃገር ንምህናፅ ገዛኢ ተረኽ ምስራፅ ዘኽእል ስራሕ ሚድያ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ድማ ዓውዲ ሚድያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሄራዊ ተረኽ ኣብ ምስራፅ ዝነኣድ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ሓቢሮም።

ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ሚድያ ሓቃውነት ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ብዝሃነት ዘሎ ሕብርን ፅባቐን ኣጉሊሆም ንከውፅኡ ዘኽእል ዓቕሚ ንምጥንኻር ዝግበር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም