እቲ ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ እንሰርሐሉ ዓብይ ሃፍቲ ዝሓዘ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)






 

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 7/2017 (ኢዜኣ) ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ሙዜም ሳይንስ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ እንሰርሐሉን እንሃንፀሉን ዓብይ ሃፍቲ ዝሓዘ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊጾም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ክፍሊ ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ሙዜም ሳይንስ ብዕሊ ተኸፊቱ።

እቲ ኤግዚቪሽን፤ ኣብ ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ፣ለውጢ ከባያዊ ኣየርን ምላሽ ኢትዮጵያን፣ግብርና፣ሓይሊ ማይን ኢነርጅን፣ኤሮኖቲክስን ኣቪየሽንን ጠመተ ዝገበሩ 5 ምድባት ዓውደ ርእይ ዝሓዘ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ ህንፃ ሙዚየም ሳይንስ ቅድሚ ከባቢ ክልተ ዓመት ተሃኒፁ ብግዝያዊ ኤግዚቪሽን ምምራቑ ኣዘኻኺሮም።

እቲ ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ልዑል ሃፍቲ ከምዝሓተተ ብምሕባር፤ ብጣዕሚ ጠቓሚ ነገር ዝሓዘ ከምዝኾነን እንሰርሀሉ ሙዚየም ኣብዚ እዩ ዘሎ ክብሉን ገሊፆም።

ኢትዮጵያውያን ፅባሕ ምስራሕን ምልዋጥን እንተደልዮም ደቆም ናብዚ ኤግዚቪሽን ከምፅእዎም ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።

ቆልዑ ኣብቲ ሙዚየም ዘለዉ ነገራት ብተግባር ብምርኣይ ናይ ፅባሕ መንነቶም ምስራሕን ናይ ፅባሕ ድሌቶም ጋህዲ ምግባርን ይኽእሉ እዮም ኢሎም።

እቲ ኤግዚቢሽን ንቆልዑ ዓብይ በረከት ሒዙ ከምዝመፀ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መንኣሰይ ቴክኖሎጂ ብኣግባቡ ንክጥቀሙን ኢሉ እውን ፈጣርቲ ንክኾኑን በሪ ዝኸፍት ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

እዚ እናርኣየ ዝዓበየ ውላድ ጥበብን ፍልጠትን ብምምዕባል ፅባሕ ሃገሩ ዝሕልው፣ሃገሩ ዘማዕብል፣ሃገሩ ዘልምዕን ዘፅንዕን እዩ ዝኸውን ክብሉ እውን ሓቢሮም።

ብተወሳኺ እውን መማህራን፣ተመራመርትን ፅባሕ ምስራሕ ዝደልዩ ሰባትን ኩሎም እዚ ኤግዚቪሽን ንክጉብንዩ ፃውዒት ገይሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንህንፀት እቲ ቀዋሚ ኤግዚቪሽን ደገፍ ንዝገበሩ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ኣመስጊኖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም