ኣገልግሎት ጥዕና ዘሳልጡ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ንዓውደ ርእይ ቀሪቦም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣገልግሎት ጥዕና ዘሳልጡ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ንዓውደ ርእይ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ /20/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኢኖቬሽንን ፅሬትን ጥዕና ኣገልግሎት ጥዕና ዘማዕብሉን ተበፃሕነት ዘስፍሑን ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ንዓውደ ርእይ ቀሪቦም።
ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ድሮን ብምጥቃም ኣገልግሎት ምብፃሕ መድሓኒትን ምንፋሕ ኬሚካልን ምሃብ ዘኽእሉ ውፅኢታት ፈጠራ ኣቕሪቡ።
ኣብቲ ምምሕዳር ማናጀር ፕሮጀክት ካሳ ኣጠና፤ እተን ድሮናት ምስ ዓውድታት ግብርናን ጥዕናን ዝተኣሳሰረ ኣገልግሎት ምቕራብ ዘኽእላ ከምዝኾና ኣብራህሪሆም።
ኣብ ዓውዲ ጥዕና ምንፋሕ ኬሚካል ፀረ ጣንጡ፣ምብፃሕ መድሓኒትን ካልኦት ኣገልግሎታትን ብቕልጡፍ ምሃብ ዘኽእሉ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዓውዲ ግብርና እውን ኣገልግሎት ምንፋሕ ፀረ ፃህያይ ምሃብ ዝኽእሉ ውጽኢት ቴክኖሎጂታት እዮም ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ጥዕናን ኣብ ምሃብን ድሕንነት ጥዕና ዝሰኣኑ ኣብ ምሕላውን ቴክኖሎጂ ድሮን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ብምቕራብ ኣገልግሎት ከምዝህብ ኣረዲኦም።