ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሃ ሂወት ብዝበለፀ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ብምትሕብባር ምስራሕ ይግባእ-ሚኒስትር ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሃ ሂወት ብዝበለፀ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ብምትሕብባር ምስራሕ ይግባእ-ሚኒስትር ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 20/2017(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዘለዋ ብዝሃ ሂወት ህዝባ እትጠቕመሉን ድኽነት እተሸንፈሉን መንገዲ ንምግባር ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢንስቲትዩት ብዝሃ ሂወት ኢትዮጵያ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ ስራሕን ቀፃሊ ኣንፈትን ዝጠመተ ዘተ ምስ ሓለፍቲ ቢሮታት ክልል የሳልጥ ኣሎ።
ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ብዝሃ ሂወት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሃፍትታትን ጸጋታትን ዝወነነት ሃገር እያ።
ኢትዮጵያ ልዕሊ 6 ሸሕ ዓሌታት እፅዋትን ልዕሊ 7 ሽሕ ዓሌታት እንሰሳትን ከምዘለዋ ብምግላፅ፤ ካብዚኣቶም እቶም 10 ሚኢታዊ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ጥራሕ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።
ጥቕሚ ዘለና ብዝሃ ሂወት ምፍላጥን ምሕላውን ከምኡ እውን እቲ ማሕበረሰብ ተጠቃሚ ምግባር ይግባእ ኢሎም።
ብዝሃ ሂወት ንምግብን መድሓኒትን ከምዝጠቅም ብምሕባር፤ ምስ ድሕንነት መነባብሮ ደቂ ሰባት ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ብምኽንያት ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ሰብ ሰራሕ ምኽንያታትን ብዝሃ ሂወት ሓደጋ ምቕናስን ምጥፋእን ከምዘጋጥሞ እውን ፀሪሖም።
ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር፣ዕቀባ ሓመድን ካልኦትን ንሓለዋ ብዝሃ ሂወት ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎም ገሊጾም።
ብዝሃ ሂወት ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ጥቕሚ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኣብ ኢኮኖሚ እታ ሃገር እጃሙ ንክዋጻእ ምግባር ይግባእ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ዘለዋ ብዝሃ ሂወት ህዝባ እትጠቕመሉን ድኽነት እተሸንፈሉን መንገዲ ንምግባር ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።