ኣብ ኣዲስ ኣበባ ን መዓልቲታት እናተኻየደ ዝቐነየ ጉባኤ ኣይዲ ፎር ኣፍሪካ 2025 ሎሚ  ተዛዚሙ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/15/ 2017 /ኢዜኣ/ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኣርባዕተ መዓልቲታት እናተኻየደ ዝቐነየ ጉባኤ ኣይዲ ፎር ኣፍሪካ 2025 ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ህንፀት ዲጂታል መንነት ብምድሃብ ዝተፈላለያ ሃገራት ልውውጥ ተሞክሮ ኣካይደናሉ።

ዲጂታል መንነት ሃገራት ኩለመዳይ ተረባሕነት ዜጋታት ንኸረጋግፃ ዘቀላጥፍ ከምዝኾነ እውን ኣብ ዝተኻየዱ ልዝባት ተሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ጉባኤ ኣይዲ ፎር ኣፍሪካ 2025 ብዓወት ክተተኣናግድ ከምዝኸኣለት መስራቲ ኣይዲ ፎር ኣፍሪካ ጆሴፍ ኣቲክ (/) ተዛሪቦም።

ኣብ መዛዘሚ እቲ መርሃ ግብሪ ዝተኻየዱ ልዝባት ዕዉት ተሞክሮታት ዝተወሰዱሎም ከምዝኾኑ ዝገለፁ እንትኾኑ፤ ዝቕፅል ጉባኤ ኣብ ኮትዲቯር ኣቢጃን ከምዝካየድ ዕላዊ ተይሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም