ኢትዮጵያ ንምብቃዐ ስግግር ቴክኖሎጅን ባዓል ሞያን ምስ ብራዚል ተቐራሪባ ክትሰርሕ እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንምብቃዐ ስግግር ቴክኖሎጅን ባዓል ሞያን ምስ ብራዚል ተቐራሪባ ክትሰርሕ እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

አዲስ አበባ/ ግንቦት /16/2017(ኢዜአ)፦ኢትዮጵያ ንምብቃዐ ስግግር ቴክኖሎጅን ባዓል ሞያን ምስ ብራዚል ተቐራሪባ ክትሰርሕ ምኹና አንፈት ከምተቐመጠ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ማሕበራዊ ድረ ገፆም ኣብ ዘስፈርዎ መልእኸቲ አብ ብራዚል ግዝኣት ሳኦ ፓውሎ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ንምንቐስቓስ ስራሖም ተመልኪትና ዕውት ዝኾነ ዘተ ኣካይድና ኢሎም።
ንራእይ ዲጂታል ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር ብፈጠራን ቴክኖሎጅን ዝተደገፈ ስራሕ ምትግባር ዝጀመረት ኢትዮጵያ ምስ መሰል ትካላት ብሓባር ናይ ምስራሕ መርህ ትስዕብ ኢሎም ።
ፓርክ ፈጠራ ቴክኖሎጂ ብራዚል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቴክኖሎጂን ፈጠራን ዝሃቦ ጠመተ አድኒቑ ክብሉ እውን ገሊፆም።
አብ ቐፃሊ አብ ምብቃዕ ባዓል ሞያን ስግግር ቴክኖሎጂን ተቐራሪብና እንሰርሓሎም አንፈታት ኣቐሚጥና ኢሎም።