ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)  አብ ፈረንሳይ ፣ፓሪስ፣ እንዱስትሪ አብ አርቴፊሻል ኢንተሊጀንስን ቴክኖሎጂን ዝጠመተ እዩ






 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት/16/2017/ኢዜኣ/ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐብይ ኣሕመድ (/)  አብ ፈረንሳይ ፣ፓሪስ፣ እንዱስትሪ አብ አርቴፊሻል ኢንተሊጀንስን ቴክኖሎጂን ዝጠመተ ነይሩ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (/) ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ዝገበርዎ ዑደት ኢንደስትሪ ኣብ ቴክኖሎጂን ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስን ጠመተ ዝገበረ ምንባሩ ታሓቢሩ።

ምስ ጉጅለ ልኡኾም ብሞዃን 'ስቴሽን ኤፍ' ዝተብሃለ ኣብ ዓለም ግዙፍ ማእኸል መፈልፈሊ ስታርት ኣፕ ቢዝነስ ውልቀ ቴክኖሎጂ ተመልኪቶም።

 ስታርት ኣፕ ኢትዮጵያ ኣብ ጅማሮ ዘሎ እኳ እንተኾነ ሙሉእ ፍልጠት ቴክኖሎጂ ዝወነኑ መናእሰይ ዝሓዘ ከምኡውን ጠንካራ ዓቕሚ እናርኣየ ኣብ ምዕባይ ብዘሎ ምትእስሳር ዲጂታል ዝምራሕ ዘሎ ኢዩ።

መንግስቲ ከም ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ዝበሉ ስትራቴጂታት ንምቕራፅ ስጉምቲታት ኣብ ምውሳድ ይርከብ። እዚ ድማ  ስታርት ኣፕ ብፍላይ ብፋይናንስ ቴክኖሎጂ፣ ግብርና ቴክኖሎጂ፣ -ኮሜርስ ዕዳጋ ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ዝዓለመ ኢዩ።

ብተወሳኺ ኣዋጅ 'ስታርት ኣፕ' ዝተብሃለ ኩለ መዳይ ኣዋጅ ብምውፃእ ንምንቅስቓስ ስታርት ኣፕ ማዕቐፍ ሕጊን ትካልን ብምውፃእ ውሱን ዝኾነ ቀረብ ገንዘብ ዘስፍሕ፣ ፈተና ቁፅፅርን ካሊእን ንምሕላፍ ዘኽእል ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብቴክኖሎጂ 5G 6Gን፣ ሳይበር ድሕንነት፣ ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስን ኦፕቲካል ምትእስሳርን ማዕኸል ዝኾነ ዋና ቤትዕዮ ኖኪያ-ፈረንሳይ እውን ርእዮም።

 እቲ ዑደት ናይ fiber sensing ቀረብ፣ ሜላ ሓይሊ ቁጠባን 5G ላብራቶሪን ዘካተተ እንትኸውን፥ እዚ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ፈጠራ፣ ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ዘርፍ ዘለል ምትሕብባርን ንኢትዮጵያ ዋጋ ዘለዎም ተሞክሮታት ዝተረኸበሎም ኢዮም።

ኣብ መወዳእታ  ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብይ ኣሕመድ(/)  ኣብ ፈረንሳይ ዝርከብ ታሌ ማእከል ምርምርን ቴክኖሎጂን  ዑደት ገይሮም።

 እዚ ኣብ ብዝሃ ዘርፍ ዝንቀሳቐስ ናይ ታሌ ግሩፕ ምርምር ትካል  ኩባንያ ዓለም ለኸ ናይ ምርምር ፃዕሪ እምነ ኩርናዕ ኮይኑ ዘገልግል ማእኸል እንትኸውን ኣብ ዓውድታት ኤሮስፔስ፣ መከላከያን ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስን ዝጠመተ ኢዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም