ንውፅኢታውነት ወፍሪ ምጥፋእ ዓሶ እጃም ኣካላት ሚድያ ልዑል እዩ



 

ጂንካ/ግንቦት/ 19/2017 (ኢዜኣ) ንውፅኢታውነት ወፍሪ ምጥፋእ ዓሶ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ሕብረተሰብ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር እጃሞም እናተዋፅኡ ከምዝኾነ ቢሮ ጥዕና ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ቢሮ ጥዕና ክልል ደቡብ ኢትዮጵያኣብ ወፍሪ ምጥፋእ ዓሶ እጃም መራኸብቲ ሓፋሽኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ጂንካ ዘተ ኣሳሊጡ።

ኣብ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ተወካሊ ዳይሬክቶሬት ምክልኻል ሕማም ኣይተ ዘሪሁን ደሳለኝ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ከም ሃገር ኣብ 2030 ሕማም ዓሶ ንምጥፋእ ትልሚ ተታሒዙ ርብርብ እናተገበረ እዩ።

ኣብ 36 ወረዳታት እቲ ክልል እዚ ሽቶ ንምዕዋት ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብዚ ዓመት ፅልዋ ሕማም ዓሶ ኣብ ዘለዎም ከባብታት ኣብ 120 ሽሕ ገዛውቲ ምንፋሕ ጸረ ኬሚካል ከምዝተሳለጠ ብምሕባር፤ ኣብ 4 ወረዳታት ድማ ልዕሊ 248 ሽሕ ዛንዚራ ዓራት ከምዝተኸፋፈሉ ተዛሪቦም።

እቲ ስራሕ ምክልኻል ሕማም ዓሶ ሰብ ሞያ ሚድያ ብምጥቃም ግንዛበ ሕብረተሰብ ብምዕባይ ስራሕቲ ምድፋንን ምፍሳስን ማይ ዝዓቖሩ ቦታታት ከምዝተሳለጡ ኣረዲኦም።

ውፅኢታውነት እዚ ስራሕ ንምቕፃል ምስ መራኸብቲ ሓፋሽ ምዝታይ ከምዘድለየ እውን ገሊጾም።

ኣብቲ ኣብ ከተማ ጂንካ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ምክክር፤ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት፣ፋና ሚድያ ኮርፖሬት፣ቴሌቪዥን ደቡብን ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ጣብያታት ሬድዮን ዝተውፃእፅኡ ጋዜጠኛታት ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም