ሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ገዛእቲ ተረኻት ብምጽናዕ ሓድነት ከጠናኽሩ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ገዛእቲ ተረኻት ብምጽናዕ ሓድነት ከጠናኽሩ ይግባእ

ሃረር/ግንቦት /15/2017 (ኢዜኣ) ሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ኣብ ዝሰርሕዎም ፀብፃባት ገዛእቲ ተረኻት ብምጽናዕ ሕብረ ብሄራዊ ሕውነትን ሓድነትን ከጠናኽሩ ይግባእ ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ሃረሪ ኣይተ ጌቱ ወዬሳ ገሊፆም።
“ዘበነ ድሕረ ሓቂ ብፍልጠትን ሓቅን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኣመራርሓ ክልል ሃረሪ፣ሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙኒሚኬሽንን ስልጠና ምሃብ ተጀሚሩ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ሃረሪ ኣይተ ጌቱ ወዬሳ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ዘሳልጦም ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ናብ ህዝቢ ንክበፅሕ ኣብ ምግባር እጃም ሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ዝለዓለ እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ፅሬት ኣመለኻኽታ ብምጽራይን ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ብምብፃሕን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምጥንኻር ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።
ብፍላይ ድማ ገዛኢ ተረኽ ዝሃንፁ፣ንሕብረ ብሄራዊ ሕውነት፣ንዲሞክራስን ህንፀት ትካልን ሃናፅን ጠቓምን ሓበሬታታት ምቕራፅን ተግባራዊ ዝኾነ ስራሕ ምስራሕን ይግባእ ኢሎም።
እቲ ስልጠና፤ ሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ገዛኢ ተረኻት ብምፅናዕ ሕብረ ብሄራዊ ሕውነትን ሓድነትን ኣብ ምጥንኻር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣጠናኺሮም ንከቐፅሉ ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።
ኣብ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፖርቲ ብልፅግና ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ወይዘሪት ፈዲላ ቢያ ብግደአን፤ ኣብ ጉዕዞ ብልጽግና ዝተትሓዘ ራኢ ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ዘበነ ድሕረ ሓቂ ዝተረድአ ስራሕ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ኣድላይ እዩ ኢለን።
ሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ከምኡ እውን እቲ ኣመራርሓ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓትን ሕብረ ብሄራዊ ሕውነትን ኣሓትን ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ኣረዲአን።
ኣብቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ ስልጠና ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሰብ ሞያ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ከምኡ እውን ኣመራርሓ እቲ ክልል እናተሳተፉ እንትኸውን ኣብቲ እዋን ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ኢትዮጵያ ወይዘሪት ሰናይት ሀይሌ መበገሲ ፅሑፍ ዘተ ኣቕሪበን።