ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ክፍሊ ቀዋሚ ኤግዚቢሽን ሙዜም ሳይንስ ብዕሊ ተኸፊቱ - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ክፍሊ ቀዋሚ ኤግዚቢሽን ሙዜም ሳይንስ ብዕሊ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 7/2017(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ክፍሊ ቀዋሚ ኤግዚቢሽን ሙዜም ሳይንስ ብዕሊ ተኸፊቱ።
እቲ ክፍሊ፤ ኣብ ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ፣ለውጢ ከባያዊ ኣየርን ምላሽ ኢትዮጵያን፣ግብርና፣ሓይሊ ማይን ኢነርጅን፣ኤሮኖቲክስን ኣቪየሽንን ጠመተ ዝገበሩ 5 ምድባት ዓውደ ርእይ ዝሓዘ እዩ።
እዚ ድማ ሃገርና ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንምጥቃም ዘለዋ ድሌት ዘርኢ እዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ሃገርና ፈላማይ ዝኾነ ሉላዊ ኣዳራሽ ምርኢት ቅርፂ ህዋ ዕላዊ ኮይኑ ክብል ገሊፁ።
ኣብ ልዕሊ 1000 ሜትሮ ስኬር ሜትሮን 36 ሜትር ዲያሜትርን ሒዙ ዝዓረፈ እቲ ኣዳራሽ ነዚ ዘበን ብዝምጥን ቴክኖሎጂ መርኣዪ ዲጂታል ምስሊ 4k ዝተገጠመሉ ከምዝኾነ ገሊፁ።
ፍልጠት ንምድህሳስ፣ንምምሃርን ንምንቕቓሕን ምችው ዝኾነ ሙዜም ሳይንስ ንጎብነይቲ ክፍቲ ከምዝኾነ እውን እቲ ቤት ፅሕፈት ሓቢሩ።
ህዝቢ እውን መፃኢ ተስፋ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኢትዮጵያ መፂኡ ንክዕዘብ እቲ ቤት ፅሕፈት ዓዲሙ።