ማሕበራዊ
ቐነ ክታበት ኣፍሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ይኽበር ኣሎ
Apr 24, 2024 63
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/16/ 2016 /ኢዜአ/መበል 14 ቐነ ክታበት ኣፍሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ይኽበር ኣሎ፡፡ ሚኒስቴር ጥዕና ሞትን ሕማማትን ኣዴታትን ዕሸላትን ንምንካይ ምስ ክልላትን ዝምልከቶም ኣካላትን ብምትሕብባር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ፡፡ ካብ መንጎ እዚኣቶም ድማ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ክታበት ሓደ እንትኸውን÷ በቢዓመቱ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝኽበር ቐነ ክታበት ኣፍሪካ ኣብዚ ዓመት እውን “ትኹረት ዝኾነ ዓይነት ክታበት ንዝጀመሩን ጀሚሮም ንዘቛረፁን ህፃናት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ እናተኸበረ ይርከብ፡፡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ሓለፍቲ ስራሕ ኤጀንስታት፣ ሆስፒታላትን ተፀዋዕቲ ትካላትን፤ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም፡፡ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መደረ ናይ እኻዕ ዳሕን መፃእኹም ዘስምዑ ሓላፊ ቤሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ÷ ንህፃናት ይኹን ንዓበይቲ ዝወሃቡ ዓይነታት ክታበት ከምዘለው ብምሕባር፤ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ብዝነበረ ፀገም ስዒቡ ግን ተዘሓሒሉ ከምዝፀንሐ ገሊፆም፡፡ ሕዚ ብዝተፈጠረ ሰላም ድማ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምዃን እኹል ዝኾነ ኣወሃህባ ክታበት ንመሃብ ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡ ሚስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶ/ር ደረጀ ድጉማ ብግድኦም÷ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ፀገማት ልዕሊ 1 ሚሊዮን ዝኾኑ ህፃናት ክታበት ከምዘይረኸቡ ገሊፆም፡፡ እቶም ክታበት ዘይረኸቡ ህፃናት ብበዝሒ ኣብ ክልል ትግራይ ስለዝርከቡ እዚ መድረኽ ኣብ ትግራይ ክዳሎ ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም፡፡ ንኩሎም ክታበት ዘይረኹቡ ህፃናት ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ስራሕ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም፡፡
ኣብ ክልል ትግራይ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም “ፖልዮ” ተጀሚሩ
Apr 23, 2024 58
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/15/ 2016 /ኢዜአ/ብብርኪ ክልል ኣብ ትግራይ ዝወሃብ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ(ፖልዮ) ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ። እቲ ወፍሪ፥ ኣብ ከባቢ ዞባ ደቡብ ኣብ ሓደ ህፃን ዝተርኣየ ሕማም ኣልምሲ መበገሲ ብምግባር ኢዩ ዝካየድ ዘሎ ተባሂሉ። ሎሚ መዓልቲ ኣብ ምጅማር እቲ ክታበት፥ መንግስታዊ፣ ዘይመንግስታውን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተውፃእፅኡ ኣካላትን ተረኺቦም። ሓላፊ ካብኔ ሰክሪታርያት ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ህይወት፥ ንዕውትነት እቲ ወፍሪ ኩሉ ግቡኡ ክፍፅም ይግባእ ኢሎም። ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ ብግድኦም፥ ብብርኪ ክልል 2 ሚሊየን ቆልዑት ንምክታብ ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተዛሪቦም። እዚ ንምፍፃም ድማ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ከምዝሰርሕ ገሊፆም። ኣብ ኩለን ከባቢታት ትግራይ ኩሎም ትሕቲ 10 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ ከምዝወሃቦም ብምግላፅ፥ እዚ ንክዕወት ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ክረባረብ ፃውዒት ኣቕሪቦም። በቲ ካብ 15 ክሳብ 20 ሚያዚያ ዝካየድ ወፍሪ ልዕሊ 2 ሚልየን ህፃናት ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
መናእሰይ ኣብ ምብልፃግን ምስፋሕን ሰላም መተካእታ ዘይብሉ ግደኦም ክፃወቱ ይግባእ-ጀነራል ታደሰ ወረደ
Apr 23, 2024 52
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/15/ 2016 /ኢዜአ/መናእሰይ ኣብ ምብልፃግን ምስፋሕን ሰላም መተካእታ ዘይብሉ ግደኦም ክፃወቱ ይግባእ ክብሉ ምክትል ረእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም። ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ማእከል ኪነጥበብ ጩራ ኣቦጊዳን ብምትሕብባር ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዋዕላ መናእሰይን ህንፀት ሰላምን የሳልጥ ኣሎ። ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ ዋዕላ ካብ መብዛሕተአን ወረዳታት ትግራይ ዝተወከሉ ልዕሊ 500 መናእሰይ ዝሳተፉ ዘለዉ እንትኾኑ፥ መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሰላም ክህልዎም ዝኽእል ግደ፣ ተሳትፎ፣ ተወካልነትን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ዝጠመቱ መፅናዕትታት ይቐርቡ ኣለዉ። ኣብቲ ዋዕላ መኽፈቲ መደረ ዘስምዑ ጀነራል ታደሰ ወረደ፥ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ብሰንኪ ስእነት ሰላም ኩለ መዳያዊ ሃሰያ ዝበፅሖ መንእሰይ ክልል ትግራይ ኩለመዳያዊ ህንፀት ንምክያድ ዉሕሉል ስራሕ ከምዘድሊ ተዛሪቦም። ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ኣይተ ሓይሽ ስባጋድስ ብግደኦም ብሰንኪ ዘጋጠመ ፀገም መናእሰይ ትግራይ ግዳያት ስእነት ስራሕ፣ ዘይሕጋዊ ስደት፣ መዐወንቲ ወልፍታትን ክኾኑ ከምዝተገደዱ ገሊፆም። ስለዝኾነ ነቶም ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ መናእሰይ ዝስርሑ ስራሕቲ ወሰንቲ ምዃኖም ምሕባሮም ዩንቨርስቲ መቐለ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ገሊፁ።
ምምሕዳር ከተማ ቢሾፍቱ ካብ ዝተለሞ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ልዕሊ 93 ሚኢታዊ ምዕዋቱ አጣሊሉ
Apr 22, 2024 59
  አዲስ አበባ/ሚያዚያ/14/2016/ኢዜአ/ ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ን50 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ተሊሙ 93 ነጥቢ ሸሞንተ ሚኢታዊ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፈጠራ ዕድል ስራሕን ክእለትን ከተማ ቢሾፍቱ ኣይተ ታደሰ ኣሰፋ ተዛሪቦም። ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ብሓሙሽተ ኣባላት ዝተመስረተ ማሕበር ሽርክና ስራሕ ፋይበር ግርማ፣ ቆንጅትን መሓዙትን 70 ሽሕ ብር ካፒታል ናብ ስራሕ ምእታዎም ኣባላት እቲ ማሕበር ይዛረቡ። ብዝተፈላለየ ዘፈር ትምህርቲ ካብ ዩኒቨርስቲ ብዝተመረቑ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ዝተመስረተ ሜጋ ቶን ፋይበር ግላስ፣ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ን60 ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ምስ ካልኦት ትካላት ኣብ ዘዳለዎ ምልከታ ጋዜጠኛታት ኣቦ መንበር ተዛሪቦም። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፈጠራ ዕድል ስራሕን ክእለትን ኣይተ ታደሰ ኣሰፋ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዕብየት ኢኮኖሚ እታ ከተማ ንቐፃሊ ብዝወስዱ ኣብ ዘፈር ግብርናን ማኑፋክቸሪንግን ጠመተ ዝገበረ 'ዩ ኢሎም። ኣብ ልምዓት ሃፍቲ እንሰሳት እናተሰርሐ ከምዝኾነ 'ውን ኣመላኺቶም። ስራሕ ንዝሰኣኑ ዜጋታት እቲ ምምሕዳር ከተማ ሼዳት ብምሃብን መሬት ብምቕራብን ድጋፍ እናገበረ ምዃኑ ገሊፆም።
ዓለም ለኻዊ ኤክስፖ ጥዕና ኣፍሮ ኤዥያ ኣብ ማእኸል ኤግዚቢሽን ክካየድ 'ዩ
Apr 22, 2024 43
  አዲስ አበባ/ሚያዚያ/14/2016/ኢዜአ/ ዓለም ለኻዊ ኤክስፖ ጥዕና ኣፍሮ ኤዥያ “ድልድላት ንህነፅ ህይወት ነድሕን” ብዝብል ካብ 9 ክሳብ 11 ጉንበት 2016 ዓ.ም ኣብ ማእኸል ኤግዚቢሽን ከምዝካየድ ተገሊፁ። ኣሰናዳኢ ኮሚቴ እቲ ኤክስፖ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ኣብቲ ጉዳይ መግለፂ ሂቡ። ኣብቲ ኤክስፖ ካብ ኢትዮጵያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 400 ትካላት ጥዕና፣ ሰብ ሞያ ኢንዱስትሪን መዳርግቲ ኣካላት ክሳተፉ 'ዮም። ስግግር ፍልጠት፣ ምትሕብባር ምጥንኻርን ዝለዓለ ፍታሕ ኣተሓላልዋ ጥዕና ንምርኣይ ንማሕበረሰብ ብርክት ዝበሉ ናፃ ምርመራታት ንምሃብ ዝዓለመ 'ዩ። በዚ 'ውን ልዕሊ 30 ሽሕ ንዝኾኑ ዑደተኛታት ናፃ ምርመራ ጥዕናን ግልጋሎት ምኽርን ክህብ 'ዩ ተባሂሉ። ነቲ ኤክስፖ ኤፍ ዚ ማርኬቲንግን ኮሙዩኒኬሽንን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቃዊ ማሕበር ምስ ሰላም ሄልዝ ኮንሰልታንሲ ብምትሕብባር ከምዘዳለዉዎ ዝተገለፀ እንትኸውን፣ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ቢሮ ጥዕና ኣዲስ ኣበባ፣ በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፣ በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ፣ ላልማር ኮንሰልታንሲን ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ኣዲስ ኣበባን ብመዳርግትነት ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ህንፀት ሰላምን ስራሕቲ ሰናይ ተበግሶን ዘድሀበ ስልጠና ንምናእሰይ ይወሃብ ኣሎ
Apr 22, 2024 49
  ኣዲስ ኣበባ /ሚያዝያ/14/ 2016 /ኢዜአ/አብ ክልል ትግራይ ካብ ዝተፈላለዪ ከባቢታት ንዝተውፃእፅኡ 500 መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሰላምን ስራሕቲ ሰናይ ተበግሶን ዘድሀበ ስልጠና ኣብ ዪንቨርስቲ መቐለ ይወሃቦም ኣሎ። እቲ መድረኽ፥ "መንእሰይ ንህንፀት ሰላምን ዲሞክራሲን" አብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ብምትሕብባር ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ፣ ዩንቨርስቲ መቐለን ኪነ ጥበባዊ ማሕበር ጮራ ኣቡጊዳን ዝወሃብ ዘሎ ሰልጠና፥ ካብ 14 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ። ኣብቲ መድረኽ፥ ምክትል ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ ኣመራርሓ ዩኒቨርስቲ መቐለን መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም። ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ዝርከባ ወረዳታት ዝውክሉ 500 መናእሰይ ይሳተፉ ኣለዉ።
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ፀገም ሕብረተሰብ ኣብ ምቕላል ይነጥፍ ከም ዘሎ ታሓቢሩ
Apr 18, 2024 67
  አዲስ አበባ/ሚያዚያ/10/2016/ኢዜአ/ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ፀገም ሕብረተሰብ ኣብ ምቕላል ዘይናዓቕ ተራ እናተፃወተ ከምዝርከብ ዋና ፀሓፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ቴድሮስ ምላው ሓቢሮም። ከም ምብርሂ ኣይተ ቴድሮስ፣ እቲ ማሕበር ኣብ ዝተፈላለዩ ሰብኣውን ማሕበራውን ስራሕቲ ብምንጣፍ ፀገም ሕረተሰብ እናቃለለ ይርከብ፡፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዛጊድ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ን650 ተመዛበልቲ ንሕድሕድ 9 ሽሕን 2 ሚኢትን ቅርሺ፣ን560 ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ኣቑሕት ገዛ ፣ን80 ካብ ስደት ተመለስቲ ንሕድሕድ 26 ሽሕ ገንዘባዊ ሓገዝን ስነ ልቦናዊ ሕውየት ስልጠናን ገይሩ ‘ዩ፡፡ ንኣዴታትን ህፃናትን ከምኡ ‘ውን ሃንደበታዊ ሓደጋ ንዝበፅሖም ወገናት ቅልጡፍ ግልጋሎት ኣምቡላንስን ንሓደ ሚኢቲ ሽሕ ህዝቢ ግልጋሎት ቀረብ መድሓኒት ፋርማሲ እናሃበ ከምዝርከብን ኢሉ ‘ውን ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ግረባ፣ ምውጋድ ረሳሕ ፈሳሲ፣ ምርኻብ ዝተጣፍኡ ሕብረተሰብ ዕዙዝ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ኣይተ ቴድሮስ፣ ኣፍሊጦም፡፡
ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 224 ሽሕ ተምሃሮ ተጠቀምቲ መርሃ ግብሪ ምገባ ኮይኖም-ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል
Apr 17, 2024 29
  ባህር ዳር/ሚያዝያ 9/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 224 ሽሕ ተምሃሮ ተጠቀምቲ መርሃ ግብሪ ምገባ እናኾኑ ምዃኖም ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ። ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ወይዘሮ ኢየሩስ መንግስቱ ንኢዜኣ ከምዝገለፅኦ፤ እቶም ተጠቀምቲ እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ 454 ኣብያተ ትምህርቲ ትምህርቶም እናተኸታተሉ ዝርከቡ ተምሃሮ እዮም። እቲ መርሃ ግብሪ ምገባ፤ ካብ መንግስቲ እቲ ክልል፣ካብ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ህዝብን ዝተረኸበ 151 ሚልዮን ብር በጀት ብምምዳብ እናተሳለጠ ከምዝርከብ እውን ተዛሪበን። እቲ መርሃ ግብሪ ቁፅሪ ትምህርቶም ዘቋርፁ ተምሃሮ ብምቕናስን ትምህርቶም ተረጋጊዖም ብምክትታልን ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ንምርግጋፅ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፀን። ርእሰ መምህር ተጠቀሚ እቲ መርሃ ግብሪ ዝኾነት ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን ትርከብብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣንድነት ባዩ ሃይለጊዮርጊስ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ መርሃ ግብሪ 1 ሽሕን 968 ተምሃሮ ተጠቀምቲ እናኾኑ እዮም። ተምሃሮ ቁርስን ምሳሕን ብምምጋብ ናይ መፅናዕትን ውሽጢ ክላስን ተሳትፎኦም ንክዓቢ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ፀገም ትምህርቶም ዝደግሙን ዘቋርፁን ዝነበሩ ተምሃሮ ንምፍታሕ ከምዘኽኣለ ሓቢሮም። እዚ መርሃ ግብሪ ምገባ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ ትምህርቱ ትኹረት ብምግባር ዝሓሸ ውፅኢት ከምዘመዝገበ ዝገለፀ ድማ ተምሃራይ ክፍሊ 8ይ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ያፌት ኣዲስ እዩ። ተምሃሪት እዚ ቤት ትምህርቲ ቤዛዊት ኣበጋዝ ብግደኣ፤ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ምገባ ተሳትፎ ትምህርታ ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ውፅኢታ እናተመሓየሸ ከምዝመፀ ተዛሪባ።
መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 31 ሽሕ ሰባት ጎብንየምዎ
Apr 16, 2024 30
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 8/2016 (ኢዜኣ) መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 31 ሽሕ ሰባት ከምዝጎብነይዎ ዋና ዳይሬክተር እቲ መዘከርታ ዓወት ኢንጅነር ውባየሁ ማሞ ገሊፆም። መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ብ 3 የካቲት 2016 ዓ/ም ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዕሊ ዝተመረቐ እንትኸውን ንህዝቢ ክፍቲ ኮይኑ እናተጎብነየ ይርከብ። ዋና ዳይሬክተር መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ኢንጅነር ውባየሁ ማሞ፤ እቲ መዘከርታ ዓወት ንህዝቢ ክፍቲ ካብ ዝግበር ጀሚሩ በቢመዓልቱ ብርክት ዝበሉ ጎብነይቲ እናተኣናገደ ይርከብ ኢሎም። ካብ 7 መጋቢት ክሳብ 7 ሚያዝያ 2016 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ውሽጢ ሓደ ወርሒ 31 ሽሕን 750 ሰባት ከምዝጎብነይዎ ተዛሪቦም። ኣብ ወርሒ የካቲት 2016 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገበረ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት፣ዲፕሎማሲኛታትን ልኡኻትን መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ከምዝጎብነይዎ ዝዝከር እዩ። መዘከርታ ዓወት ዓድዋ፤ ልዕሊ 2 ሽሕን 500 ኣጋይሽ ዝሕዝ ኣዳራሽ ፓን ኣፍሪካ፣300 ሰባት ዝሕዝ ኣዳራሽ ዓድዋ፣160 ሰባት ዝሕዝ ማእኸላይ ኣዳራሽ፣300 ሰባት ብሓደ ግዜ ዘተኣናግዱ ቤት ብልዕታት፣ክልተ ካፍቴሪያታት፣ሙዝዬም ህፃናት፣1000 ተሽከርከርቲ ዝሕዝ ፓርኪንግ፣ዘበናዊ ጂምን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ኣብ ውሽጡ ዝሓዘ ምዃኑ ተገሊፁ። መእተዊ በርታት መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እውን በሪ ጀጋኑ ምብራቕ፣በሪ ጀጋኑ ምዕራብ፣በሪ ጀጋኑ ሰሜን፣በሪ ጀጋኑ ደቡብ፣በሪ ፈረሰኛታት፣በሪ ሓርበኛታት፣በሪ ፓን ኣፍሪካኒዝም ተባሂሎም ከምዝተሰየሙ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወ ስርዓት መረዳእታ ጥዕና ምጅማር ይግባእ-ዶክተር ኣማንኤል
Apr 16, 2024 33
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/8/ 2016 /ኢዜአ/ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ምጥንኻር መባእታዊ ክንክን ጥዕናን ስነ ተዋልዶን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ኣሳሊጡ። ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ኣማንኤል ሃይለ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ፥ ክሳብ ሐዚ ኣብ ምክልኻል ተላበድቲ ሕማማት ኢና ተፀሚድና ፀኒሕና ኢሎም። ጠመተና ኣብ ምሕካም ብሕፅረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ወገናት፣ ኣብ ምክልኻልን ምሕካምን ሕማም ዓባይ ሰዓል፣ ኤች ኣይቪ ኤድስን ካልኦትን ኮይኑ ፀኒሑ እዩ እውን ኢሎም። ይኹን እንበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ምጥንኻር መባእታዊ ክንክን ጥዕናን ስነ ተዋልዶን ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም። ዶክተር ኣማንኤል ሙሉእ ብሙሉእ ዝዓነወ ስርዓት መረዳእታ ጥዕና ምጅማር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም። ካብኔ ሴክሬታሪያት ትልሚ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ህይወት (ፕሮፌሰር) ብግደኦም፥ ዓውዲ ጥዕና ዳግም ንምህናፅ ይስራሕ ኣብ ዘሎ ስራሕ ይሕግዙ ንዘለው ኩሎም ኣካላት አመስጊኖም።
ተወልድቲ ሰብ ቅያ ሃረሬ ዘበርከቱዎ ሓድጊን ክብሪን ዶብ ተሳጋሪ ሃፍቲ ኮይኑ ኢዩ - ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ
Apr 16, 2024 27
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/8/ 2016 /ኢዜአ/ተወልድቲ ሰብ ቅያ ሃረሬ ዘበርከቱዎ ሓድጊን ክብሪን ዶብ ተሳጋሪ ሃፍቲ ከምዝኾነ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ ገሊፆም። ብድምቐ ዝኽበር ድሮ በዓል ዒድ ሸዋል ብዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት ምኽባር ጀሚሩ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ፥ ሃረር ወናኒት ዝደንፈዐ ክብሪን ኢያ፤ ብፍላይ በዓል ዒድ ሸዋል መንእሰይ ክፋል ሕብረተሰብ ብናፅነት ዝንቀሳቐሱሉ ኢዩ ኢሎም። ሀረሬታት ፍቕሪን ምትሕብባርን ካብ ቀደሞት ብምቕባል ንዝቕፅል ወለዶ ኣብ ምምሕልላፍ እናበርከትዎ ዝርከቡ ግደ ዝነኣድ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ዘበርከቱዎ ሓድጊን ክብሪን ዶብ ዝሳገር ከምዝኾነ ገሊፆም። ሚኒስትር ቱሪዝም ናሲሴ ጫሊ ብግደአን፥ ሃረር ትውፊታዊን እምነታዊን ባህሊታት ዝንፀባሩቑላ ከተማ ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ፍቕሪን ሕብረትን ባህሉ ዝኾነ ህዝቢ ሃረር ኣብ ዕለት በዓል ዒድ ሸዋል ደሚቑ ዝረአየሉ ከምዝኾነ ተዛሪበን። ዒድ ሸዋል ኣብ ዘይድህሰስ ሓድጊ ዩኔስኮ ከምዝተመዝገበ ብምዝኽኻር፤ እቲ በዓል ኩሉ ዘኽብሮ ምዃኑ ንኽምዝገብ ቀንዲ ምኽንያት ኢዩ ኢለን። ሕዚ እውን እቲ ክልል ንዝገብሮ ምንቅስቓስ ሚኒስቴር ቱሪዝም ዘይተቖጠበ ሓገዝ ከምዝገበር እውን ኣረጋጊፀን።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም