መፃኢ ኸረምቲ ንመምህራንን ኣመራርሓ ትምህርቲን ስልጠና ብቕዓት  ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/14/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ዝመፅእ ክረምቲ 50 ሺሕ መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርቲን ስልጠና ብቕዓት  ከምዝወሃብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ።

እቲ ስልጠና ፀገም ፅሬት ትምህርቲ ንምፍታሕን ብቕዓት መምህራን ንምድንፋዕን ዝዓለመ እንትኸውን÷ ኣብ ዝተመረፃ ዩኒቨርሲታትን ኮሌጃትን ክወሃብ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ መምህራንን ትምህርቲን ሙሉቀን ንጋቱ (/)÷ እቶም መምህራን ኣብ ዘምህሩዎ ዓይነት ትምህርቲን መምሀሪ ሜላታትን ከምዝስልጥኑ ተዛሪቦም።

42 ሺሕ መምህራን 120 ሰዓት፤ 8 ሺሕ ኣመራርሓ ትምህርቲ ድማ 60 ሰዓት ስልጠና ከምዝወሃቦም ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ስልጠነኦም እንትዛዝሙ ድማ ፈተና ከምዝወስዱ እቶም ፈፃሚ ስራሕ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ስልጠና÷ ኣብ መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርቲን ዘሎ አፈላላይ ፍልጠትን ሜላን ምስትምሃር ንምምላእ ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም