መፃኢ ኸረምቲ ንመምህራንን ኣመራርሓ ትምህርቲን ስልጠና ብቕዓት ክወሃብ ኢዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መፃኢ ኸረምቲ ንመምህራንን ኣመራርሓ ትምህርቲን ስልጠና ብቕዓት ክወሃብ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/14/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ዝመፅእ ክረምቲ ን50 ሺሕ መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርቲን ስልጠና ብቕዓት ከምዝወሃብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ።
እቲ ስልጠና ፀገም ፅሬት ትምህርቲ ንምፍታሕን ብቕዓት መምህራን ንምድንፋዕን ዝዓለመ እንትኸውን÷ ኣብ ዝተመረፃ ዩኒቨርሲታትን ኮሌጃትን ክወሃብ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ መምህራንን ትምህርቲን ሙሉቀን ንጋቱ (ዶ/ር)÷ እቶም መምህራን ኣብ ዘምህሩዎ ዓይነት ትምህርቲን መምሀሪ ሜላታትን ከምዝስልጥኑ ተዛሪቦም።
ን42 ሺሕ መምህራን 120 ሰዓት፤ ን8 ሺሕ ኣመራርሓ ትምህርቲ ድማ 60 ሰዓት ስልጠና ከምዝወሃቦም ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ስልጠነኦም እንትዛዝሙ ድማ ፈተና ከምዝወስዱ እቶም ፈፃሚ ስራሕ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ስልጠና÷ ኣብ መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርቲን ዘሎ አፈላላይ ፍልጠትን ሜላን ምስትምሃር ንምምላእ ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ፡፡