መበል 15 ሱልጣን ዓፋር ኣሕመድ ኣሊሚራህ  ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/15/ 2016 /ኢዜአ/መበል 15 ሱልጣን ዓፋር ኣሕመድ ኣሊሚራህ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

መራሕቲ ሱልጣን ዓፋር ብህዝቢ ዓፋር ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ፀገማት ብባህላዊ ሜላ ብዘላቕነት ኣብ ምፍታሕ ዓብዪ ግደ ከምዘለዎም ይንገር።

ሱልጣን ዓፋር ኣሕመድ ኣሊሚራህ ኣብ ወፃኢ ሃገር ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትኣትዉ÷ ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዘሃራ ሁመድ፣ ብመዓርግ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ኣምባሳደር ሃሰን ኣብዱልቃድር፣ ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር እስማኤል ኣሊሰሮን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ወዲ ሱልጣን ኣሊሚራህ ዝኾኑ መበል 15 ሱልጣን ዓፋር ኣሕመድ ናይ መላእ ዓፋር ሱልጣን ዝነበሩ ሓዎም ሱልጣን ሃንፍሬ ኣሊሚራህ ካብዛ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ከምዝተሸሙ ይዝከር፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም