መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 31 ሽሕ ሰባት ጎብንየምዎ

27




 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 8/2016 (ኢዜኣ) መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 31 ሽሕ ሰባት ከምዝጎብነይዎ ዋና ዳይሬክተር እቲ መዘከርታ ዓወት ኢንጅነር ውባየሁ ማሞ ገሊፆም።

መዘከርታ ዓወት ዓድዋ 3 የካቲት 2016 / ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (/) ብዕሊ ዝተመረቐ እንትኸውን ንህዝቢ ክፍቲ ኮይኑ እናተጎብነየ ይርከብ።

ዋና ዳይሬክተር መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ኢንጅነር ውባየሁ ማሞ፤ እቲ መዘከርታ ዓወት ንህዝቢ ክፍቲ ካብ ዝግበር ጀሚሩ በቢመዓልቱ ብርክት ዝበሉ ጎብነይቲ እናተኣናገደ ይርከብ ኢሎም።

ካብ 7 መጋቢት ክሳብ 7 ሚያዝያ 2016 / ኣብ ዘሎ ውሽጢ ሓደ ወርሒ 31 ሽሕን 750 ሰባት ከምዝጎብነይዎ ተዛሪቦም።

ኣብ ወርሒ የካቲት 2016 / ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገበረ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት፣ዲፕሎማሲኛታትን ልኡኻትን መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ከምዝጎብነይዎ ዝዝከር እዩ።

መዘከርታ ዓወት ዓድዋ፤ ልዕሊ 2 ሽሕን 500 ኣጋይሽ ዝሕዝ ኣዳራሽ ፓን ኣፍሪካ፣300 ሰባት ዝሕዝ ኣዳራሽ ዓድዋ፣160 ሰባት ዝሕዝ ማእኸላይ ኣዳራሽ፣300 ሰባት ብሓደ ግዜ ዘተኣናግዱ ቤት ብልዕታት፣ክልተ ካፍቴሪያታት፣ሙዝዬም ህፃናት፣1000 ተሽከርከርቲ ዝሕዝ ፓርኪንግ፣ዘበናዊ ጂምን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ኣብ ውሽጡ ዝሓዘ ምዃኑ ተገሊፁ።

መእተዊ በርታት መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እውን በሪ ጀጋኑ ምብራቕ፣በሪ ጀጋኑ ምዕራብ፣በሪ ጀጋኑ ሰሜን፣በሪ ጀጋኑ ደቡብ፣በሪ ፈረሰኛታት፣በሪ ሓርበኛታት፣በሪ ፓን ኣፍሪካኒዝም ተባሂሎም ከምዝተሰየሙ ዝፍለጥ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም