ዓለም ለኻዊ ኤክስፖ ጥዕና ኣፍሮ ኤዥያ ኣብ ማእኸል ኤግዚቢሽን ክካየድ 'ዩ

 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/14/2016/ኢዜአ/ ዓለም ለኻዊ ኤክስፖ ጥዕና ኣፍሮ ኤዥያ ድልድላት ንህነፅ ህይወት ነድሕን ብዝብል ካብ 9 ክሳብ 11 ጉንበት 2016 . ኣብ ማእኸል ኤግዚቢሽን ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ኣሰናዳኢ ኮሚቴ እቲ ኤክስፖ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ኣብቲ ጉዳይ መግለፂ ሂቡ።

ኣብቲ ኤክስፖ ካብ ኢትዮጵያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 400 ትካላት ጥዕና፣ ሰብ ሞያ ኢንዱስትሪን መዳርግቲ ኣካላት ክሳተፉ 'ዮም።

 ስግግር ፍልጠት፣ ምትሕብባር ምጥንኻርን ዝለዓለ ፍታሕ ኣተሓላልዋ ጥዕና ንምርኣይ ንማሕበረሰብ ብርክት ዝበሉ ናፃ ምርመራታት ንምሃብ ዝዓለመ 'ዩ።

በዚ 'ውን ልዕሊ 30 ሽሕ ንዝኾኑ ዑደተኛታት ናፃ ምርመራ ጥዕናን ግልጋሎት ምኽርን ክህብ ' ተባሂሉ።

ነቲ ኤክስፖ ኤፍ ማርኬቲንግን ኮሙዩኒኬሽንን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቃዊ ማሕበር ምስ ሰላም ሄልዝ ኮንሰልታንሲ ብምትሕብባር ከምዘዳለዉዎ ዝተገለፀ እንትኸውን፣ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ቢሮ ጥዕና ኣዲስ ኣበባ፣ በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፣ በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያ፣ ላልማር ኮንሰልታንሲን ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ኣዲስ ኣበባን ብመዳርግትነት ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም