ናይ ሎሚ ዘመን በዓል ሹዋሊድ “ሹዋሊድ ንሕብረብሄራዊ ሓድነትናን ንዕብየት ቱሪዝምናን” ብዝብል ቴማ ክኽበር 'ዩ

16


 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/8/2016/ኢዜአ/ ከምቕርሲ ዓለም ብዩኔስኮ ዝተመዝገበን ኣብ ሃረሪ በቢዓመቱ ብድምቀት ዝኽበርን በዓል ሹዋሊድ  ክኽበር 'ዩ።

እዚ በዓል ሹዋሊድ ንሕብረብሄራዊ ሓድነትናን ንዕብየት ቱሪዝምናን ብዝብል ቴማ ኣብ ክልል ሃረሪ ሚኒስትራት፣ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልልን ኻልኦት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ክኽበር 'ዩ።

በዓል ሹዋሊድ ሎሚዓመት ብዩኔስኮ ከምቕርሲ ዓለም ኾይኑ ድሕሪ ምምዝጋቡ ዝኽበር ብምዃኑ መንግስቲ እቲ ክልል ዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝገበረ ተፈሊጡ።

ኣብቲ በዓል ምስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር መፅናዕቲ ዝተገበረሉ ኖታ ሙዚቃ ብሄረሰብ ሃረሪ ቐሪቡ ዘተ ከምዝግበረሉን ኻልኦት መርሃ ግብርታት ከምዝሳለጡን ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም