ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወ ስርዓት መረዳእታ ጥዕና ምጅማር ይግባእ-ዶክተር ኣማንኤል



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/8/ 2016 /ኢዜአ/ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ምጥንኻር መባእታዊ ክንክን ጥዕናን ስነ ተዋልዶን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ኣሳሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ኣማንኤል ሃይለ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ፥ ክሳብ ሐዚ ኣብ ምክልኻል ተላበድቲ ሕማማት ኢና ተፀሚድና ፀኒሕና ኢሎም።

ጠመተና ኣብ ምሕካም ብሕፅረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ወገናት፣ ኣብ ምክልኻልን ምሕካምን ሕማም ዓባይ ሰዓል፣ ኤች ኣይቪ ኤድስን ካልኦትን ኮይኑ ፀኒሑ እዩ እውን ኢሎም።

ይኹን እንበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ምጥንኻር መባእታዊ ክንክን ጥዕናን ስነ ተዋልዶን ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ዶክተር ኣማንኤል ሙሉእ ብሙሉእ ዝዓነወ ስርዓት መረዳእታ ጥዕና ምጅማር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ካብኔ ሴክሬታሪያት ትልሚ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ /ህይወት (ፕሮፌሰር) ብግደኦም፥ ዓውዲ ጥዕና ዳግም ንምህናፅ ይስራሕ ኣብ ዘሎ ስራሕ ይሕግዙ ንዘለው ኩሎም ኣካላት አመስጊኖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም