ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ  ኣይተ ኦርዲን በድሪ በዓል ዒድ ሸዋል ሕብረት ብዘጎልብት መልክዑ ንክኽበር ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም

60




 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/9/ 2016 /ኢዜአ/ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ  ኣይተ ኦርዲን በድሪ በዓል ዒድ ሸዋል ባህላዊ ክብሪታቱ ሕብረትን ፍቕሪን ብዘጉልህ መልክዑን ብሰላም ንኽኽበር ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱን ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ክልል በቢዓመቱ ብልዑል ድምቀት ዝኽበር በዓል ዒድ ሸዋል ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብልዑል ድምቀትን ዓወትን ከምዝተዛዘመ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ገሊፆም።

እቲ በዓል ንኽዕወት ግደ ዝነበሮም ህዝቢ እቲ ክልል፣ ኣካላት ፀጥታን ኣኽበርቲ ሕጊን፣ ልኡኻት ጎረባብቲ ክልላት ከምኡ እውን ካልኦት ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ብሽም ህዝብን መንግስትን እቲ ክልል ምስጋና ምቕራቦም ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም