ተወልድቲ ሰብ ቅያ ሃረሬ ዘበርከቱዎ ሓድጊን ክብሪን ዶብ ተሳጋሪ ሃፍቲ ኮይኑ ኢዩ - ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ





 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/8/ 2016 /ኢዜአ/ተወልድቲ ሰብ ቅያ ሃረሬ ዘበርከቱዎ ሓድጊን ክብሪን ዶብ ተሳጋሪ ሃፍቲ  ከምዝኾነ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ ገሊፆም።

 ብድምቐ ዝኽበር ድሮ በዓል ዒድ ሸዋል ብዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት ምኽባር ጀሚሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ፥ ሃረር ወናኒት ዝደንፈዐ ክብሪን ኢያ፤ ብፍላይ በዓል ዒድ ሸዋል መንእሰይ ክፋል ሕብረተሰብ ብናፅነት ዝንቀሳቐሱሉ ኢዩ ኢሎም።

ሀረሬታት ፍቕሪን ምትሕብባርን ካብ ቀደሞት ብምቕባል ንዝቕፅል ወለዶ ኣብ ምምሕልላፍ እናበርከትዎ ዝርከቡ ግደ ዝነኣድ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ዘበርከቱዎ ሓድጊን ክብሪን ዶብ ዝሳገር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሚኒስትር ቱሪዝም ናሲሴ ጫሊ ብግደአን፥ ሃረር ትውፊታዊን እምነታዊን ባህሊታት ዝንፀባሩቑላ ከተማ ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ፍቕሪን ሕብረትን ባህሉ ዝኾነ ህዝቢ ሃረር ኣብ ዕለት በዓል ዒድ ሸዋል ደሚቑ ዝረአየሉ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ዒድ ሸዋል ኣብ ዘይድህሰስ ሓድጊ ዩኔስኮ ከምዝተመዝገበ ብምዝኽኻር፤ እቲ በዓል ኩሉ ዘኽብሮ ምዃኑ ንኽምዝገብ ቀንዲ ምኽንያት ኢዩ ኢለን።

ሕዚ እውን እቲ ክልል ንዝገብሮ ምንቅስቓስ ሚኒስቴር ቱሪዝም ዘይተቖጠበ ሓገዝ ከምዝገበር እውን ኣረጋጊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም