ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ተመስሪቱ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/8/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምስረታ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ተኻይዱ፡፡

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ጥላሁን ከበደ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ቀይሕ መስቀል ሰብ ተኮር ስራሕቲ ኣብ ሰብኣዊነትን ቅንዕናን ሓገዝ ዝገብር ትካል ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኩለመዳይ ምዕባለ ዜጋታት ንምርግጋፅ ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ግደ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዕዙዝ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ሓደጋ ንዝተጎድኡ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ፕሬዚዳንት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣበራ ቶላ ብግደኦም÷ እቲ ማሕበር ናይ መንግስቲ ደጋፊ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሕድሕድ ምትሕግጋዝ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም