ቐነ ክታበት ኣፍሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ይኽበር ኣሎ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/16/ 2016 /ኢዜአ/መበል 14 ቐነ ክታበት ኣፍሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ይኽበር ኣሎ፡፡

ሚኒስቴር ጥዕና ሞትን ሕማማትን ኣዴታትን ዕሸላትን ንምንካይ ምስ ክልላትን ዝምልከቶም ኣካላትን ብምትሕብባር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ፡፡

ካብ መንጎ እዚኣቶም ድማ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ክታበት ሓደ እንትኸውን÷ በቢዓመቱ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝኽበር ቐነ ክታበት ኣፍሪካ ኣብዚ ዓመት እውን ትኹረት ዝኾነ ዓይነት ክታበት ዝጀመሩን ጀሚሮም ዘቛረፁን ህፃናት ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ እናተኸበረ ይርከብ፡፡

ላዕለዎት ኣመራርሓ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ሓለፍቲ ስራሕ ኤጀንስታት፣ ሆስፒታላትን ተፀዋዕቲ ትካላትን፤ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መደረ ናይ እኻዕ ዳሕን መፃእኹም ዘስምዑ ሓላፊ ቤሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ / ኣማኑኤል ሃይለ÷ ንህፃናት ይኹን ንዓበይቲ ዝወሃቡ ዓይነታት ክታበት ከምዘለው ብምሕባር፤ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ብዝነበረ ፀገም ስዒቡ ግን ተዘሓሒሉ ከምዝፀንሐ ገሊፆም፡፡

ሕዚ ብዝተፈጠረ ሰላም ድማ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብምዃን እኹል ዝኾነ ኣወሃህባ ክታበት ንመሃብ ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ሚስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕና / ደረጀ ድጉማ ብግድኦም÷ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ፀገማት ልዕሊ 1 ሚሊዮን ዝኾኑ ህፃናት ክታበት ከምዘይረኸቡ ገሊፆም፡፡

እቶም ክታበት ዘይረኸቡ ህፃናት ብበዝሒ ኣብ ክልል ትግራይ ስለዝርከቡ እዚ መድረኽ ኣብ ትግራይ ክዳሎ ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም፡፡

ንኩሎም ክታበት ዘይረኹቡ ህፃናት ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ስራሕ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም