ማሕበር ቀይሕ መስቀል ፀገም ሕብረተሰብ ኣብ ምቕላል ይነጥፍ ከም ዘሎ ታሓቢሩ

 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/10/2016/ኢዜአ/ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ፀገም ሕብረተሰብ ኣብ ምቕላል ዘይናዓቕ ተራ እናተፃወተ ከምዝርከብ ዋና ፀሓፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ቴድሮስ ምላው ሓቢሮም።

ከም ምብርሂ ኣይተ ቴድሮስ፣ እቲ ማሕበር ኣብ ዝተፈላለዩ ሰብኣውን ማሕበራውን ስራሕቲ ብምንጣፍ ፀገም ሕረተሰብ እናቃለለ ይርከብ፡፡

ማሕበር ቀይሕ መስቀል  ዛጊድ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ 650 ተመዛበልቲ ንሕድሕድ 9 ሽሕን 2 ሚኢትን ቅርሺ፣ን560 ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ኣቑሕት ገዛ ፣ን80 ካብ ስደት ተመለስቲ ንሕድሕድ 26 ሽሕ ገንዘባዊ ሓገዝን ስነ ልቦናዊ ሕውየት ስልጠናን ገይሩ ዩ፡፡

 ንኣዴታትን ህፃናትን ከምኡ ውን ሃንደበታዊ ሓደጋ ንዝበፅሖም ወገናት ቅልጡፍ ግልጋሎት ኣምቡላንስን ንሓደ ሚኢቲ ሽሕ ህዝቢ ግልጋሎት ቀረብ መድሓኒት ፋርማሲ እናሃበ ከምዝርከብን ኢሉ ውን ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ግረባ፣ ምውጋድ ረሳሕ ፈሳሲ፣ ምርኻብ ዝተጣፍኡ ሕብረተሰብ ዕዙዝ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ኣይተ ቴድሮስ፣ ኣፍሊጦም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም