ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ህንፀት ሰላምን ስራሕቲ ሰናይ ተበግሶን ዘድሀበ ስልጠና ንምናእሰይ ይወሃብ ኣሎ


 

ኣዲስ ኣበባ /ሚያዝያ/14/ 2016 /ኢዜአ/አብ ክልል ትግራይ ካብ ዝተፈላለዪ ከባቢታት  ንዝተውፃእፅኡ 500 መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሰላምን ስራሕቲ ሰናይ ተበግሶን ዘድሀበ ስልጠና ኣብ ዪንቨርስቲ መቐለ ይወሃቦም ኣሎ።

እቲ መድረኽ፥ "መንእሰይ ንህንፀት ሰላምን ዲሞክራሲን" አብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

 ብምትሕብባር ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ፣ ዩንቨርስቲ መቐለን ኪነ ጥበባዊ ማሕበር ጮራ ኣቡጊዳን ዝወሃብ ዘሎ ሰልጠና፥ ካብ 14 ሚያዝያ 2016 . ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ምክትል ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ / ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ ኣመራርሓ ዩኒቨርስቲ መቐለን መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

 ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ዝርከባ ወረዳታት ዝውክሉ 500 መናእሰይ ይሳተፉ ኣለዉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም