ምምሕዳር ከተማ ቢሾፍቱ ካብ ዝተለሞ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ልዕሊ 93 ሚኢታዊ ምዕዋቱ አጣሊሉ




 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/14/2016/ኢዜአ/ ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት 50 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ተሊሙ 93 ነጥቢ ሸሞንተ ሚኢታዊ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፈጠራ ዕድል ስራሕን ክእለትን ከተማ ቢሾፍቱ ኣይተ ታደሰ ኣሰፋ ተዛሪቦም።

ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ብሓሙሽተ ኣባላት ዝተመስረተ ማሕበር ሽርክና ስራሕ ፋይበር ግርማ፣ ቆንጅትን መሓዙትን 70 ሽሕ ብር ካፒታል ናብ ስራሕ ምእታዎም ኣባላት እቲ ማሕበር ይዛረቡ።

ብዝተፈላለየ ዘፈር ትምህርቲ ካብ ዩኒቨርስቲ ብዝተመረቑ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ዝተመስረተ ሜጋ ቶን ፋይበር ግላስ፣ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት 60 ዝኣኽሉ ሰራሕተኛታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ምስ ካልኦት ትካላት ኣብ ዘዳለዎ ምልከታ ጋዜጠኛታት ኣቦ መንበር ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፈጠራ ዕድል ስራሕን ክእለትን ኣይተ ታደሰ ኣሰፋ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዕብየት ኢኮኖሚ እታ ከተማ ንቐፃሊ ብዝወስዱ ኣብ ዘፈር ግብርናን ማኑፋክቸሪንግን ጠመተ ዝገበረ ' ኢሎም።

 ኣብ ልምዓት ሃፍቲ እንሰሳት እናተሰርሐ ከምዝኾነ 'ውን ኣመላኺቶም።

ስራሕ ንዝሰኣኑ ዜጋታት እቲ ምምሕዳር ከተማ ሼዳት ብምሃብን መሬት ብምቕራብን ድጋፍ እናገበረ ምዃኑ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም