ኣብ ትግራይ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ ክካየድ ኢዩ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዚያ/13/ 2016/ኢዜአ/ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወፍሪ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ (ፖልዮ) ከካይድ እዩ።

ኣብቲ ተተሊሙ ዘሎ ወፍሪ ክታበት ዝጠመተ መድረኽ ዘተ መዕበዪ ግንዛበ ሕብረተሰብ ኣብ መቐለ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ወፍሪ፥ ኣብ ከባቢ ዞባ ደቡብ ኣብ ሓደ ህፃን ዝተርኣየ ሕማም ኣልምሲ መበገሲ ብምግባር ኢዩ ዝካየድ ዘሎ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ በቲ ካብ 15 ክሳብ 20 ሚያዚያ ዝካየድ ወፍሪ ልዕሊ 2 ሚልየን ህፃናት ተረባሕቲ ምዝኾኑ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም