ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ኲሓ ናፃ ኣገልግሎት ንቕለ ተኸላ ብሌን ዓይኒ ምሃብ ጀሚሩ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/10/ 2016 /ኢዜአ/ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ኲሓ ምስ ኦፕሬሽን ኢትዮጵያን ፕሮጀክት ሂማልያ ካትሪክት ዝተብሃለ ትካል ምግባረ ሰናይን ብምትሕብባር ብዓይነቱ ዝተፈለየ ወፍሪ ናፃ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ክፍሊ ዓይኒ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ስፔሻሊስይ ዓይኒ / ዮናስ ምትኩ፥ ብሰንኪ ኲናት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ንቕለ ተኸላ ብሌን ዓይኒ ዳግም ናብ ስርሕ ምእታዉ ገሊፆም።

እዚ ዕድል ንኹሉ ክፉት ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ሆስፒታል ሕክምና ዓይኒ ኩሓ ሕዚ ብፍሉይ ወፍሪ ዝጀመረሎም ድማ፥ ብመውቃዕቲ ወይክዓ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ምዕፃው ቱቦ ዓይኒ ዘጋጠሞም፣ ፀገማት መሸፈኒ ቆርበት ዓይኒ ምስትኽኻል፣ ኣብ ሓቛፊ ዓይንን ምስ ኦርቢት ዓይኒ ዝተኣሳሰሩ ፀገማት ምስትኽኻልን ዝኣመሰሉን ሕክምናታት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም