መንግስቲ ባዓላት መርአያ ሓበራውነትን ብዝሃነትን ንክኾኑ ኣድላይ ክንክንን ሓለዋን ይፍፅም-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

 

አዲስ አበባ/ ግንቦት /29/2017 (ኢዜአ) መንግስቲ ባዓላት መርአያ ሓበራውነትን ብዝሃነትን ንክኾኑ ኣድላይ ክንክንን ሓለዋን ከምዝገብር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ብተኸተልቲ ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ሎሚ ኣብ ምኸባር ዝርከብ መበል 1446 ባዓል ዒድ አል-አድሃ (አረፋ) ኣመልኪቱ መልእኸቲ እንኳዕ ኣብፀሓኩም ኣማሓላለፉ ኣሎ ።

ብተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ምኸባር ዝርከብ ባዓል ኢድ አል-አድሃ(ዐረፋ) ምትሕግጋዝ ምትሕስሳብን ሓድነትን ጎሊሁ ካብ ዝንፀባረቐሎም ሃይማኖታዊ ባዓላት እቲ ሓደ እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ ዘለዎ ንዘይብሉ ማኣዲ ዘካፍለሉ ፍቐርን ሓበራውነትን ዘሐይለሉ ምኹኑ እውን ኣመልኪቱ

ዜጋታት ሃይማኖታውን ህዝባዊ ባዓላት ብድምቀትን ብሓበራውነትን ንክኸበሩ መንግስቲ ብልዑል ጥንቃቐ ከምዝሰርሕእውን ኣፍሊጡ ኣሎ ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም